ዓሰርተ ስደተኛታት ኣብ ጥቓ ገማግም ብሪጣንያ ተታሒዞም
ሓለዋ ባሕሪ ብሪጣንያ ብ14 ለካቲት ኣብ ክልተ ጃላቡ ዝተጻዕኑ ዓሰርተ ስደተኛታት ኣብ መትረብ እንግሊዝ ሒዙ። ብመሰረት እቲ ስደተኛታት ኣብታ ፈለማ ዝረገጽዋ ኤውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ኽሓቱ ዝግድድ ሕጋገ ዳብሊን እቶም ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ወይ ድማ ናብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ክምለሱ ይኽእሉ እዮም።
እታ ቐዳመይቲ ጃልባ ሰዓት 2:15 ለይቲ ኣብ ጥቓ መእተዊ ወደብ ዶቨር ከምዝተታሕዘትን መርከብ ሓለዋ ዶባት ከምዘውጽኣቶምን ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ይሕብር።
ጸኒሑ ውን ሰዓት 4፡30 ወጋሕታ ካልኣይቲ ጃልባ ብመርከብ ሓለዋ ባሕሪ ተታሒዛ። ኩላቶም እቶም ስደተኛታት ክሕተቱ ናብ ሰብመዚ ስደተኛታት ሓሊፎም።
“ኩላቶም ኣብ ጽቡቕ ጥዕና ኸምዘለዉ ተረጋጊጹ። እቲ ዝሓበርዎ ዜግነታት ብሕጂ ኽረጋገጽ እዩ፡” ይብል ሓደ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ።
ሓደ ካብቶም ነቲ ኸባቢ ኣብ ባይቶ ዝውክሉ ዝዀነ ቻርሊ ኤልፊክ፥ “ድሕሪ እቲ ዝገበርናዮ ጽዑቕ ዘመተ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ቁጽሪ ተሳገርቲ ስደተኛታት ብርኡይ ቀኒሱ እኳ እንተዀነ፡ እዚ ናይ ሕጂ ዘጋጠመ ግና ዝያዳ ንቑሓት ክንከውን ከምዘለና ዘርእየና እዩ፡” ይብል።
“ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ገማግም ፈረንሳ ለይትን ቀትርን ካብ ኣየር ዝግበር ሓለዋ ኽህሉ ዝግብኦ፡ ምእንቲ ነቶም ኣስለዅቲ ክብገሱ ኸለዉ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኸለዉ ሒዝና ነዚ ርኹስ ሸቐጦም ክንዓግቶ፡” ይብል።
ቁጽሪ በዚ ሓደገኛ ኣገባብ ክሰግሩ ዝፍትኑ ሰባት ካብ ሕዳር ንነጀው ብምውሳኹ ክሳዕ 300 ዝበጽሑ ስደተኛታት ካብ ሰሜን ፈረንሳ ናብ ደቡብምብራቕ እንግሊዝ ክሰግሩ ተታሒዞም ኣለዉ።
እቶም ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ዝተመልሱ ወይ ውን ክምለሱ ዝጽበዩ ዘለዉ እዮም።
“ብሕጋገ ዳብሊን ዝእሰር መስርሕ ምምላስ ስደተኛታት ንምክያድ ዝካየድ ሓባራዊ ወፍሪ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ኽህሉ እዩ፡” ይብል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ። “ብንኣሽቱ ጃላቡ ዝኣተዉ ስደትኛታት ዝያዳ ንምምላስ ሕብርቲ ንግስነት ምስ ፈረንሳን ካልኦት ሃገራትን ብቐረባ ብምስራሕ ኣንጻር ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ምስጋር ባሕሪ መዕገቲ ኽትገብር እያ።”
ስእሊ፦ ፖሊስ ዶባትን ሃገራዊ ወኪል መርመራ ገበንን ብሪጣንያ ኣብ ገማግም ኬንት፡ እንግሊዝ ዝተረኽበት ተነፋሒት ጃልባ ይምርምሩ፤ 31 ታሕሳስ 2018. ሱዛን ፒልቸር/ሻተርስቶክ
TMP – 23/02/2019
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ