ን19 መዓልታት ኣብ ባሕሪ ዝጸንሑ ስደተኛታት ናብ ወደብ ክኣትዉ ተፈቒዱሎም
ክልተ ናይ ጀርመን ህይወት ዘድሕና ማሕበራት ዝሓዝኦም 49 ስደተኛታት ናብ ወደብ ከይኣትዉ ኣብ ባሕሪ ን19 መዓልታት ተዓጊቶም ድሕሪ ምጽንሖም ብ9 ጥሪ ኣብ ማልታ ኸዕርፉ ተፈቒዱሎም። እቶም ካብ ትሽዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ኣርባዕተ ኣንስትን ሽዱሽተ ህጻናትን ይርከብዎም ስደተኛታት ትሽዓተ ሃገራት ኤውሮጳ ተማቒለን ከዕቍብኦም እየን።
እቶም ካብ ሊብያ ዝተበገሱ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት በተን ብጀርመናውያን ማሕበራት ዝውነና መራኽብ ‘ሲ ዎች 3’ን ‘ሲ ኣይ’ን ድሒኖም። ማዕበላት ዝበዝሖ ኩነታት ባሕሪ ነቶም ስደተኛታት ሕማም ጉዕዞ እናትሓዞም ከሎ፡ ኩሉ እተን መራኽብ ዘቕረብኦ ወደብ ናይ ምርካብ ሕቶታት ብኹለን ማእከላይ ባሕሪ ዘዳውባ ሃገራት ተነጺጉ። ብመሰረት ዘ ንውዮርክ ታይምስ መንግስቲ ኢጣልያ ን ሲ ዎች 3 ካብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ መምርሒ ኽትጽበ እኳ እንተሓበራ፡ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ግና ክሕግዙ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።
ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ዝኸውን ግዜ ማልታ ብ9 ጥሪ ኽትቅበሎም ወሲና። ነቲ ውሳኔ ዘፍለጠ ናይ ማልጣ ቀዳማይ ሚኒስተር ጆሰፍ ሙስካት፡ እቲ ውሳኔ ዝድገም ከምዘይኰነ ንምንጻር፡ “ደጋጊመ እብል ኣለኹ፡ ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ኢለዮ ዝነበርኩ እዚ ናይ ሕጂ ጉዳይ ንመጻኢ ከም መወከሲ ኣሰራርሓና ኣይክኸውንን እዩ፡” ኢሉ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ሉዊጂ ደ ማዮ፡ ማልጣ ነታ መርከብ ከተዕርፍ እንተፍቂዳትላ ሃገሩ ንገለ ኻብቶም ስደተኛታት ከተዕቍብ ምዃና ተማባጺዑ ኔሩ። እንተዀነ ግና ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገርን ዝዀነ ማቴዮ ሳልቪኒ ኣብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መርገጺኡ ብምጽናዕ፡”88 ይኹኑ ሸሞንተ ስደተኛታት፡ ዝዀነ ስደተኛ ናብ ኢጣልያ ኽኣቱ ኣይከፍቅድን እየ፡” ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ኢጣልያ ኣብ ጉዳይ ምቕባል ስደተኛታት ዘለዋ ኣረኣእያ ተሪሩ፡ ብዙሕ ግዜ ህይወት ዘድሕና መራኽብ ኣብ ወደባታ ከየዕርፋ ከልኪላ።
ቁጽሪ ናይቶም ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኤውሮጳ ኽበጽሑ ዝጕዓዙ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣዝዩ ጐዲሉ እኳ እንተዀነ፡ መጠን እቶ ኣብቲ ጉዕዞ ዝሞቱ ግና ልዑል እዩ ዘሎ። ብዙሓት ነቲ ጉዕዞ ዝፍትንዎ ስደተኛታት ብሓልይሊ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብታ ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ሰላም ስለዘይብላ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንስደተኛታት ዘይደሓን ዝተባህለት ሊብያ ይምለሱ። ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ 2018 15,000 ስደተኛታት ከምዝመለሰ ይሕብር።
TMP – 17/01/2018
ስእሊ፦ ኣብ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኣብ መርከብ ሲ ዎች 3 (ሲ ዎች/ ትዊተር)
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ