ስጳኛ ቀንዲ መዓልቦ ስደተኛታት ኣብ እትዀነሉ ዘላ ግዜ ኣማኢት ስደተኛታት ድሒኖም
ሓለዋ ባሕሪ ስጳኛ ብ14ን 15ን ሓምለ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ስጳኛ ክሰግሩ ዝፍትኑ ዝነበሩ እንተወሓዱ 479 ሰባት ኣድሒኑ።
እቶም ዝደሓኑ 100 ቘልዑ ዝርከብዎም ጉጅለ ስደተኛታት ብመርከብ በርጌስ ዘብዐኛ ስጳኛ እዮም ድሒኖም።
ሊብያ ናብ መዲተራንያን ንምሕላፍ ኣዝያ ኣጸጋሚት ኣብ እትዀነሉ ዘላ ግዜ፡ ስደተኛታት ካብ ናብ ኢጣልያ ናብ ስጳኛ ኽጕዓዙ ብምምራጽ ብጃላቡ ኽሰግሩ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ቍጽሮም ይበዝሕ ኣሎ።
ክሳዕ ሕጂ ኣብዚ ዓመት ካብቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ 1400 ስደተኛታት እቶም 294 ናብ ስጳኛ ኽሰግሩ ዝሞቱ እዮም።
ብዙሓት ስደተኛታት ፈለማ ናብተን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ምስ ሞሮኮ ዝዳወቦ ኽቡባት ክፋል ስጳኛ ክኣትዉ እዮም ዝፍትኑ። ኣብ ልዕሊ እቲ ስደተኛታት ንምዕጋት ተባሂሉ ዝተሃንጸ ዘይሕለፍ ሓጹራት፡ እተን ክቡባት ብወገን ስጳኛን ብወገን ሞሮኮን ብጽኑዕ ዝሕለዋ እየን። ስደተኛታት ነቲ ሓጹር ክሓልፉ ፈተነ ንምግባር ካብ ኣዋርሕ ክሳዕ ዓመታት ዝበጽሕ ግዜ ይጽበዩ።
ኣልጄርያ ንምብጻሕ ካብ ጊኒ ተበጊሱ ብማሊ ዝሓለፈ ዩሱፍ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት እዩ ሞሮኮ በጺሑ። ኣብዚ ዓመታት ናብታ ክብብቲ ኽፋል ስጳኛ ዝዀነት ስዌታ ኽበጽሕ ተደጋጋሚ ግዜ ፈቲኑ እዩ።
ካብ ማሊ ዝመጸ ወዲ 22 ዓመት ፊንቶር ስጳኛ በጺሑ ኵዕሶ እግሪ ኽጻወት እዩ ዝደሊ። “እዚ ንነብሮ ዘለነ የሕፍረና እዩ። ስድራና ብኸምዚ ኸምእንነብር ኣይፈልጡን እዮም፡” ይብል። ቅድሚ ናብ ሞሮኮ ምምጽኡ ኣብ ሊብያ ኣዋርሕ ጸኒሑ እኳ እንተነበረ ባሕሪ አስገሪ ዝኸውን ገንዘብ ስለዘይነበሮ ናብ ሞሮኮ ቐጺሉ።
እቶም ስጳኛ ዝበጽሑ ስደተኛታት ብወገኖም ተስፋ ዘዕርብ ህይወት እዮም ዘዘንትዉ። ኣብ ማእከላይ ወገን ባርሴሎና ኣብ ሓደ ዝተሓድገ ቤትትምህርቲ ምስ ካልኦት 30 ስደተኛታት ዝቕመጥ ወዲ 32 ዓመት ዘይምዝጉብ ኡጋንዳዊ ስደተኛ ፍራንሲስ ካሻምባ 14 ሰዓታት ሰሪሑ 10 ዩሮ ተኸፊሉ።
“ህጻን ዝዀንኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ኣሎ፡ ክገብሮ ዝኽእል የለን፡ መጻኢየይ ክውስን ኣይክእልን እየ። ወረቓቕቲ እንተዝህልወኒ ስራሕ ምረኸብኩ፡ ንነብሰይ ዘድልየኒ ምዓደግኩ፡ ሕጂ ግን ክጽሊ ጥራይ እየ ዝኽእል፡” ይብል።
“ዝተታለልኩ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ፡ ኤውሮጳ ገነት ምዃኑ እዩ ተነጊሩኒ። ኣብዚ ሸውዓተ ወርሒ ኸምዝርኣኽዎ ግና ኣብ ስጳኛ ዘሎ ህይወት ፈጺሙ ጽቡቕ ኣይኰነን፡” ይብል ካሻምባ።
RMP – 11/09/2018
ስእሊ፦ ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ኣብ ኣፍደገ ዝተሓድገ ህንጻ ይድቅስ፤ ባርሴሎና፡ ስጳኛ 24 ግንቦት 2015።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ