ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ኽሰግሩ ዝሓልፍዎም ጸገማት

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ ዝርከቡ ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ኽሰግሩ ንህይወቶም ቀጻሊ ኣብ ሓደጋ ኣብ ምእታው እዮም ዝርከቡ።

ዓዚዝን መርየምን ዝተባህሉ ክልተ ዒራቓውያን መጻምድቲ ስደተኛታት ንማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ነቲ መትረብ ንምስጋር እንተወሓደ 20 ፈተነታት ከምዘካየዱ ይዛረቡ። ድሕሪ’ዚ ኹሉ ፈተነ ናብ ብሪጣንያ’ኳ ኣትዮም እንተለው፡ ብመሰረት ቊጽጽር ዱብሊን ካብ’ታ ሃገር ናብ ፈረንሳ ክምለሱ ከምዝኽእሉ ይዛረቡ።

እቶም መጻምድቲ ምስ ጓል 5 ዓመት ጓሎም ቺያ እዮም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2018 ናብ ዳንኪርክ ናይ ፈረንሳ በጺሖም።

ናይ ፈለማ መደቦም ብ ንእሽቶ ጃልባ ናብ ማያዊ ገማግም ብሪጣንያ ንምብጻሕ ስለዝነበረ፡ ውሑስን መሰነይታን ዘለዎ ጉዕዞ ክጓዓዙ ከምዝኾኑ እዩ ብኣሰጋገርቲ መብጽዓ ተኣትዩሎም ። እንተኾነ ነቲ መትረብ ሰጊርካ ናብ ገማግም ዓዲ- እንግሊዝ ኣብ ትቐርበሉ እቶም ኣሰጋገርቲ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ከብጽሑኻ ዘይኮኑ’ስ ናብ ፖሊስ እታ ሃገር ደዊሎም ሓገዝ ከምዝሓቱ እዩ ኣቶ ዓዚዝ ተረዲኡ።

እዚ ስለዝኾነን ኣብ’ቲ መትረብ ንስደተኛታት ዝገጥሞም ጸገማት ብቐጻሊ ይሰምዕ ስለዝነበረን ግና ኣቶ ዓዚዝ በቲ መትረብ ናይ ምስጋር ሓሳቡ ቀይሩ።

ድሕሪ’ዚ ዓዚዝን ስድራኡን ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኦም ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም። ወላዲቱ ንመንበሪ ገዝኣ ከም ትሕጃ ገይራ 10,000 ፓውንድ ስተርሊን ብምልቃሕ ነቲ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ንናይ ወዳ ዓዚዝ ጉዕዞ ዘሳልጥ ዝነበረ ኣሰጋጋሪ ዝተሓጋገዝ ሰብ ኽትከፍል ተገዲዳ።

ኣብ’ቲ ናይ ጽርግያ ጉዕዞ’ውን ዓዚዝን ስድራቤቶም ተደጋጋሚ ጸገም እዩ ዝጎንፎም ነይሩ። ሓንሳእ እታ ተሳፍሮም መኪና ናብ ስጳና ወይ ሩማንያ ዝጉዕዞኣ ኮይኑ ይጸንሕ፡ ሓንሳእ ድማ ኣብ ናይ ተፍትሽ ነቚጣ ብ ደገፍ ስልጡናት ኣኻላባት ይልለዩ። ብ 16 ለካቲት 2019 ግና ኣብ ሓንቲ ብሮማናውያን እትዉነን ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኦም ናብ ብሪጣንያ ኽኣትዉ ኽኢሎም። ኣብ’ታ ሃገር ምስ ኣተዉ ብሓገዝ ኣዝማዶም ናብ እንዳ ፖሊስ ብምምራሕ ዑቕባ ሓቲቶም። ኣብ’ታ ቀዲሞም ዝረገጹዋ ፈረንሳ ዑቕባ ሓቲቶም ብምንባሮም ግን ብመሰረት ቁጽጽር-ዱብሊን ናብ ፈረንሳ ኸይምለሱ ስግኣት ኣሎ።

ክልተ ደቂ ዝርከብዋ ኢራናዊት ስድራ ናብ እንግሊዝ እተስግራ ዝነበረት ጃልባ ድሕሪ 15 ደቂቕ ብምጥሓላ ንስክላ ካብ ሞት’ያ ወጺኣ። “እቲ ማይ ኣዚዩ ቆራሪ’ዩ፡ በቃ በረድ። እታ ጃልባ ምስ ተበላሸወት በቃ አእጋረይ በሪዱ ሞት ክምነያ ጀሚራ ፡” ይብል ሓደ ካብ’ታ ስድራ።

ሶሎሙንን ሲረንን ዝተባህሉ ካልኦት መጻምድቲ እዉን ነቲ መትረብ እንዳሰገሩ ጃልባ ስለዝተበላሸወቶም ን ሰዓታት ከምዝተዓግቱ ይሕብሩ። ሞቶር ናይ’ታ ጃልባ ተባራዒ ነዳዲ ይጥቀም ብምንባሩ ኣብ ሓጺር እዋን ሓዊ ቆርበትና ኸቃጽለና ጀሚሩ ዝበለ ኣቶ ሶሎሙን፡ ንሰዓታት ኣብ ስቓይ ድሕሪ ምጽናሕ ብሓለዋ ዶባት ፈረንሳ ተረኺቦም ናብ ፈረንሳ ከምእተመልሱ ይሕብር።

TMP – 27/02/2019

ስእሊ፥ GLF ሚድያ/ ሻተርስቶክ

ካብ ኣየር ዝተወስደ ስእሊ ወሽመጥ ዶቨር ናይ መትረብ እንግሊዝ። እዚ መትረብ ንብሪጣንያን ኤውሮጳ ዘራኽብ ኮይኑ ካብ ከም ካሌን ዳንኩርክን ናይ ፈረንሳ ዝብገሳ ጀላቡን መራኽብን ዘዕርፋሉ እዩ።