ፈረንሳ ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ተሪር ግን ከኣ ሰብኣውነት ዝሓለወ ሕጊ ኽትክተል

ፈረንሳ ንሓተቲ ዑቕባ ናይ ይግባይ መጋባእያ ከምዘይትኸውን ሓድሽ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ክሪስቶፊ ካስታነር ገሊጹ። እቲ ሓድሽ ሚኒስተር ምስ ሰሙናዊት ጋዜጣ  le Journal du Dimanche 21 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ዘካየዶ ቃለምልልስ፡ ኣብ ፈረንሳ ካብ ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ሓደ ሲሶ ኣቐዲሞም ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ሕቶ ዑቕባ ኣቕሪቦም ሕቶኦም ዝተንጸጎም ምዃኖም ኣረዲኡ።

ንሕና ነቶም ጉዳይ ዑቕባኦም ብከም ጀርመን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ድሮ ዝተነጽጎም ሓተቲ ዑቕባ ናይ ይግባይ መጋባእያ ኣይንኾነሎሙን ኢና፡ዝበለ እቲ ሚኒስተር፡ ሃገሩ ተሪር ግን ከኣ ሰብኣዊ ዝኾነ ናይ ኤሚግሬሽን ሕጊ ኽትክተል ምዃና ኣነጺሩ።

16 ጥቅምቲ ናይ 2018 ቦታ ሚኒስተርነት ዝተረከበ ካስታነር ኣብ ምሕያል ጸጥታ ዶባት ሃገሩ ብሓፈሻ፡ ምስ  ኣብ 2018 ልዕሊ ዝኾነት ኣባል ሃገር ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝበዝሑ ስደተኛታት ዝኣተውዋ ስጳኛ ዘራኽቡ መስመራት ኣብ ምቊጽጻር ድማ ብፍላይ ኣሐዪሉ ክሰርሕ ከምዝደሊ ዝሕብር። ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት ኣይ..ኤም ከምዝሕብሮ፡ ካብ ጥሪ ክሳዕ 9 ሕዳር ናይ 2018 ጥራይ  ከባቢ 54,000 ስደተኛታት ናብ ስጳኛ ከምዝኣተው እዩ። እቲ ኣሃዝ ልዕሊ ኣብ ዓመት ናብ ጥልያንን ፈረንሳን ዝኣተወ ጠቕላላ ብዝሒ ስደተኛታት ምዃኑዩ።

ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ስጳኛ 155 ሚእታዊት ዛዪዱ ከምዘሎ፡ ቊጽሪ ናይቶም ካብ ስጳኛ ናብ ፈረንሳ ዘብሉ ስደተኛታት ድማ ብ 60 ሚእታዊት ዓብዩ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ፈረንሳዊ ሚኒስተር፡ ሃገሩ ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት ዘለዋ ኣተሓሕዛ ከተኽርርን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናይ ምጥራዝ ገደብ ግዜ ከተቀላጥፍን ከምዝግባኣ ጠቒሱ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ጉዳይ ግና ሰብኣውነት ክህሉ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ሚኒስተር ካስታነር ምስ ኢጣልያዊ መዘናኡ ማትዮ ሳልቪኒ ተራኺቡ ክዘራረብ መደብ ከምዘሎ እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉሎ። መንግስቲ ጥልያን ፈረንሳ ብዘይፍላጠፍይ ኣብ ዶባት ሃገረይ ስደተኛታት ትድርብየለይ ኣላ ክትብል እያ ጸኒሓ።ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ሳልቪኒ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፡ ፖሊስ ፈረንሳ ብዘይ ኣፍልጦ ሰብመዚ ጥልያን ክልተ ስደተኛታት ኣብ ዶባዊት ከተማ ክላቬሪ ከስሉዂ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዘርጊሑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ድሕሪ ተርእዮ እቲ ኢጣልያዊ ሚኒስተር ኣብ ዶባት ሃገሩ ምስ ፈረንሳ ተወሰኽቲ ኣባላት ፖሊስ ከዋፍር ወሲኒዩ።

ደጊም መዓስከር ስደተኛታት ናይ ኤውሮጳ ከይንኸውን ምድላይ ንፈርሓሉ ኣይኮነን፡ ካብ ብራስለስን በርሊንን ንስዕቦ ትእዛዝውን ኣይክሁሉንዩ። ንምብጻሕ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ናብ ሮማ ይጽበዮ እንተሃለዂ፡ ክሳዕ ሽዑ ግና ሓለዋ ዶባትና ምስ ፈረንሳ ከምዘለዎ ክቕጽልዩ፡ይብል እቲ ኢጣልያዊ ሚኒስተር።

ጥልያን ኣብ ምቊጽጻር ዋሕዚ ዘይስሩዕ ስደት ብእትኽተሎ ዘላ ተሪር መርገጺ፡ ቊጽሪ ናይቶም ናብ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ብርኡይ ጎዲሉ ከምዘሎ ይንገር። ኣብ 2018 ከባቢ 22,000 ስደተኛታት ጥራይ እዮም ናብ ጥልያን ኽኣትዉ ክኢሎም። እቲ ኣሃዝ ምስ ኣብ 2017 ዝተመዝገበ 111,000 ብዝሒ ስደተኛታት ኽነጻጸር እንከሉ ኣዚዩ ንኡስዩ።

TMP – 30/01/2019

ስእሊ፥ ጀራርድ ቦቲኖ/ Shutterstock.com   ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ፡ፈረንሳ ነቶም ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ዝተነጽጉ ሓተቲ ዑቕባ ናይ ይግባይ መጋባእያ  ኣይትኸውንንያ።