ርዋንዳ ኣብ ሊብያ ንዝተዓግቱ ስደተኛታት ምቕባል ትቕጽል
ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ዝጸንሑ 123 ስደተኛታት ብ 10 ጥቅምቲ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ናይ ርዋንዳ ኣትዮም። እቶም ስደተኛታት ካልኣይ እብረ ናይ ርዋንዳ ኣብ ሊብያ ተፈናቒሎም ካብ ዘለዉ ስደተኛታት ከተዕቊብ ዝኣተወቶ ስምምዕ እዩም።
እቶም መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ካብ መዳጎኒ ማእከላት ኣል-ሳብሓ፡ ኣቡ-ሰሊምን ጣሪቕ ኣል-ሲካን ዝተወስዱ ኮይኖም፡ ነቶም ኣቐዲሞም ኣብ ምዝዛም ዝሓለፈ ወርሒ መስከረን ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ 66 ካልኦት ስደተኛታት ተጸንቢሮምዎም ኣለው።
ወሃቢ ቃል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ ሕበሬታ፡ እቶም ስደተኛታት ናይ ሓተቲ ዑቕባ ወረቐት ተዋሂብዎም ከምዘሎ፡ ጉዳዮምን ናይ መጻኢ ምርጫኦምን ድማ ኣብ መስርሕ ክረአ ምዃኑ ኣረዲኡ። እቶም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ብወለንታኦም ድዮም ክምለሱ፡ ናብ’ተን ኣቐዲሞም ዑቕባ ዝሓተቱለን ሃገራት ዲዮም ከብሉ፡ ኣብ ርዋንዳ ድዮም ክጸንሑ፡ ወይስ ናብ ሃገራት ምዕራብ ብመስርሕ ዳግመ-ሰፈራ ድዮም ኽግዕዙ ዝብሉ ምርጫታት ኣብ መስርሕ ክረአ ከምዝኾነ እዩ እቲ ወሃቢ ቃል ዝዛረብ።
እቶም ስደተኛታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ኣብ ዝኣተዉሉ ሻቡ ንመጻንሒ ናብ ዝተኸፍተ ኣብ ከባቢ ‘ጋሾራ’ ዝተደኮነ ማእከል ተወሲዶም ብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝተቐረበሎም ናይ ማይ፡ መግቢ፡ ሕክምናን ምኽራዊ ደገፍን ኣገልግሎታት ይረኽቡ ምህላዎም እዉን ተፈሊጡ ኣሎ።
ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ስደተኛታት ማለት እቶም 59 ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ኮይኖም፡ ዝበዝሑ ካብኣቶም ብዘይድሌቶም ካብ ወለዶም ተፈልዮም ተዳጒኖም ዝጸንሑ ከምዝኾኑ፡ ሓደ ቆልዓ እውን ንልዕሊ 2 ዓመትን ፈረቓን ኣብ መዶጎኒ ማእከል ዝጸንሐ ምንባሩ ጠቒሱ። ዝነኣሰ ካብ’ዞም ናብ ኪጋሊ ኣትዮም ዘለዉ 123 ስደተኛታት ወዲ ሸሞንተ ወርሒ ህጻን እዩ።
ሚኒስትሪ ምሕደራ ህጹጽ ሓደጋ ርዋንዳ ከምዘረጋገጾ እዉን፡ ምስቶም ስደተኛታት ካብ ክሊ ዕድመ 14 ክሳዕ 20 ዓመት ዝርከቡ 3 ትሕቲ ዕድመን 24 ደቅንስትዮን ከምዝርከቡ እዩ።
ዝበዝሑ ካብ’ዞም ግዒዞም ዘለዉ ስደተኛታት ትሕቲ ዕድመ፡ ደቅንስትዮ፡ ግዳያት መግረፍቲን ዓመጽን ዝኾኑ፡ ከምኡ ውን ቅልጡፍ ሕክምናዊ ረድኤት ዘድልዮም ስደተኛታት ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብ’ቲ ብ 2 ሓምለ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ታጁራ ናይ ትሪፖሊ ዝተኻየደ ህይወት ኣስታት 60 ስደተኛታት ዝወሰደን ንልዕሊ 130 ካልኦት ዘቚሰለን ደብዳብ ነፈርቲ ብህይወት ዝወጽኡ ስደተኛታት እዉን ምስዞም ናብ ርዋንዳ መጽዮም ዘለዉ እዮም።
ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ቃልዕ ዕዳጋታት ከተማ ትሪፖሊ ከም ባራዩ ክሽየጡ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብመደበር ቴሌቪዥን ሲኤንኤን ኣብ 2017 ድሕሪ ምዝርጋሑ፡ መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ክሳዕ 30,000 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሃገሩ ከእቱ ተመባጺዑ እዩ። ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ’ዚ ዓመት ድማ መንግስቲ ርዋንዳ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታትን ዝኸተሞ ስምምዕ ህጹጽ መሰጋገሪ መስርሕ ኣብ ቀዳማይ ኢድ ከባቢ 500 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ክቕበል ተረዳዲኡ እዩ።
እቲ መስርሕ ክሳዕ ነባሪ ፍታሕ ዝርከብ ንድሕነት ደገፍን ናይ’ቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ጸገም ወዲቖም ዘለዉ ስደተኛታት ብመንገዲ ግዝያዊ ዑቕባ ንምዝላቚ ዝዓለመ እዩ።
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ርዋንዳ ኣብ ድሕነት ስደተኛታት ተርእዮ ዘላ ተገዳስነት ድሕሪ ምንኣድ፡ ድሮ ብጠቕላላ 189 ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ዝጸንሑ ስደተኛታት ናብ’ታ ሃገር ኣትዮም ምህላዎም ኣዘኻኺሩ። እቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ወሲኹ ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ዛጊት 1,663 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ክግዕዙ ተገይሩ ምህላዉ ብምሕባር፡ ኣብ’ታ ሃገር ተሪፎም ንዘለዉ ካልኦት ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ንምድሓን ግን ስሉጥን እዋናዉን መስርሕ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።
TMP 17/10/2019
ስእሊ፥ ሚኒስትሪ ምሕደራ ህጹጽ ሓደጋታት ርዋንዳ (MINEMA)
ገለ ካብ’ቶም ስደተኛታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ እንዳኣተው።
ፅሑፉን ያካፍሉ