ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝቕንሰሉ ዘሎ ስርሒት ምድሓን ሰብ ሕብረት ኤውሮጳ የቋርጽ
ቁጽሪ ብመስመር ማእከላይ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛትታ ካብቲ 2015 ንንጀው ናብ ዝተሓተ ኣብ ዝወርደሉ ዘሎ ግዜ፡ ብስርሒት ሶፊያ ዝካየድ ዝነበረ ወፍሪ ምድሓን ህይወት ሕብረት ኤውሮጳ ይቋረጽ ኣሎ። እቲ ኣብ ኣየርን ኣብ ባሕርን ዝግበር ሓለዋ መርበባት ኣስገርቲ ንምፍራስን ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝተደርበዩ ስደተኛታት ንምድሓንን ዝዓለመ እዩ ኔሩ።
ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ስደት፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ 532 ስደተኛታት ክሳብ 3 ሚያዝያ ናብታ ሃገር ኣትዮም ኣለዉ። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ መልጣ 244 ስደተኛታት ክትቅበል ከላ፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ድማ 1,073 ስደተኛታት ካብ ባሕሪ መሊሱ።
ናይዚ ዓመት ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር ከሎ ብ92 ሚእታዊት ቀኒሱ። ኣብ 2017 ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝነበረ ዋሕዚ ኽርአ ኸሎ ድማ ካብ ናይዚ ዓመት ብ50 ግዜ ይበዝሕ ኔሩ። እንተዀነ መጠን ናይቶም ኣብቲ ጉዕዞ ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመት ዝነበሮ ሰለስተ ግዜ ወሲኹ ኣብዚ እዋን ሓደ ኻብ ዓሰርተ ነቲ ጉዕዞ ዝፍትንዎ ስደተኛታት ይሞቱ ኣለዉ።
ሕብረት ኤውሮጳ ንስርሒት ሶፊያ ካብቲ 31 መጋቢት 2019 ዝውድኣሉ መዓልቲ ብሽዱሽተ ወርሒ ኸናውሖ መዲቡ ኔሩ። እንተዀነ ግና ኢጣልያ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ስደተኛታት ኣብ ምቕባል ክሕግዝኣ እንተዘይተማባጺዐን ነቲ እማመ ኽትነጽጎ ምዃና ኣፍሊጣ። ዝዀነት ትኹን ኣባል እቲ ሕብረት ስደተኛታት ክትማቐል ፍቓዳ ሰለዘየርኣየት ወፍሪ ባሕሪ ስርሒት ሶፊያ ኸቋርጽ ተገዲዱ።
ሓለዋ ባሕሪ ኣብ ዘይብሉ እቲ ስርሒት ናይ ኣየር ሓለዋ ብምግባርን ምስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብምትሕግጋዝን ጥራይ ክቕጽል እዩ።
ማሕበራት ምድሓን ህይወትን ኣካላት ሰብኣዊ መሰላትን ነቲ ውሳኔ ኰኒነንኦ ኣለዋ።
“ብዝከኣል ዘበለ በቲ ዘሎ ሕግታት ኣመሳሚስካ መራኽብ ማሕበራት ምድሓን ህይወት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝእለያ ምስተገብረ፡ እዚ ስርሒት ድሮ ቕድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ምድሓን ህይወት ከምዘቋርጽ ምስተገብረ፡ ሕጂ ድማ ነቲ ኣብ ሓደጋ ዝኣቱ ህይወት ኣንስቲ፡ ሰብኡትን ህጻናትን ዘድሕን ኣብ ዘይብሉ መንግስታት ሕብረት ኤውሮጳ መራኽበን ይኣልያ ኣለዋ፡” ይብል ማቴዮ ደ በሊስ ካብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል።
“እዚ ሕብረት ኤውሮጳ ከም መዕገቲ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ህይወት ሰብ ክጠፍእ ቅቡል ከምዝወስዶ ደጊሙ ዘርኢ እዩ፡” ትብል ሓሲባ ሓጅ–ሸርዓዊ ካብ ሓካይም ብዘይዶብ። “ምስናይዚ ሃገራት ኤውሮጳ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ነቶም ስደተኛታት እንተረኸቦም ውን ኣብ ኣሰቃቕን ዘይሰብኣውን መዳጐኒ ማእከላት ክድርብዮም ምዃኑ እናፈለጣ ነቲ ጻውዒት ምድሓን ህይወት ብግቡእ ዘይምልስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ምድጋፍ ይቕጽላ ኣለዋ።”
ኢጣልያ ኣቐዲማ ኣብ ባሕሪ ህይወት ዘድሕና መራኽብ ሰብኣዊ ማሕበራት ኣብ ወደባታ ኸየዕርፋ ዓጊታ ጸኒሓ። ምስ ምዕጻው ሓለዋ ባሕሪ ስርሒት ሶፊያ፡ እቲ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ዓጊቱ ናብ ሊብያ ዝመልስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እቲ እንኮ ንጡፍ ህይወት ዘድሕን ኣካል ክኸውን እዩ።
TMP – 13/04/2019
ሰኣላይ፦ ፖይንትብሬይክ / ሻተርስቶክ
ስእሊ፦ ነፋሪት ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጀላቡ ኣስገርቲ ንምሕላው ትበርር፡ ነሓሰ 2016።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ