ተደጋጋሚ ፈተነ ስልኳ ኢራናዊት ስድራቤት ኣብ መትረብ እንግሊዝ

ኣሕማድ ዓሊ ኢራናዊ ኮይኑ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ካሌ ዝርከቡ ምስ ስድራቤቱ ብምዃን ንመትረብ እንግሊዝ ብምስጋር ናብ ብሪጣንያ ክኣቱ ተደጋጋሚ ፈተነ ገይሩ ዘይሰለጦ ስደተኛ’ዩ። ኣቶ ኣሕመድ ዓሊ ንማዕከን ዜና ኣይ.ቲቪ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቊን ን መትረብ እንግሊዝ ክሰግሩ ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ፈቲኖም ከምዘይሰለጦም ጠቒሱ እቶም ዘይተዓወቱ ፈተነታት ኣብ ልዕሊ ንእሽቶ ጓሉ ርኡይ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ፈጢሮም ምህላዎም ይዛረብ።

ኣቶ ኣሕመድ ስድራቤቱን ነቲ ንብሪጣንያን ፈረንሳን ዝፈላሊ ማያዊ ኣካል ንምስጋር ብዙሕ ፈተነ’ኳ እንተኣካየዱል ኣብ’ቲ መስመር ብዘሎ ጽኑዕ ሓለዋ ክሰልጦም ኣይከኣለን። ብተደጋጋሚ ብፖሊስ ፈረንሳ ተታሒዞም’ዮም።  ኣሳፊራቶም ዝነበረት ጃልባ ኣብ ሓደጋ ወዲቓ  ሓንቢሶም ክምለሱ ብምግዳዶም ኣካላዊ ማህሰይቲ ስለዝበጽሖም ኣብ ካሌ ናብ ዝርከብ ሕክምና ኽውሰዱ ተገይሩ’ዩ።

“ ኣነ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ብጃልባ ናይ ምስጋር መደበይ ደው ኣቢለዮ ኣለኹ፡ ደጊመ’ውን ኣይክሓስቦን’የ። ምኽንያቱ እቲ ጉዕዞ ኣዚዩ ሓደገኛን ኣጨናቕን እዩ። ብፍላይ ነዛ ንእሽቶ ጓለይ። እቲ ዘጋጠመና ሓደጋ ከቢድ ኣእምሮኣዊ ነውጺ ፈጢሩላ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ክልተ ግዜ ኣብ ሰሙን እያ ብሰብ ሞያ ጥዕና ትረአ ዘላ።

ብደገፍ ክኢላታት ጥዕና ንሱን ስድራቤቱን ግዝያዊ መንበሪን ቀረብን ተዋሂብዎም ከምዘሎ ን ኣሶሼት ፕረስ ዝሓበረ ኣቶ ኣሕመድ፡ ነባሪ መንበሪን ውሑስ ኣማራጺን ስለዘይብሎም ግና ናብ ናይ ካሌ ጫካ ተመሊሶም ክሕብኡ ከምዝኽእሉ ይእምት።

እቲ ብ ‘ጫካ’ ዝጽዋዕ ኣብ ካሌ ተደኲኑ ዝነበረ ዘይወግዓዊ መዓስከር ኣብ 2016 ክፈርስን ክዕጾን ከምእትገብረ ይዝከር። ብመሰረት መግለጺ ኣቶ ኣሕመድ ፡ እቲ ቦታ ካብ ገሃነም ፈሊካ ዘይረአን ዝኾነ ሰብ ክነብሮ ዘይክእል ሓደገኛ ቦታ ከምዝኾነ’ዩ።

ሰራሕተኛ ናይቲ ብ ኬር-ፎር-ካሌ ዝፍለጥ ግብረሰናያዊ ማሕበር ዝኾነትን ንስድራቤት ኣሕመድ ትተሓጋገዝ ዘላን ወ/ሮ ክሌር ሞዝለ ፡ ኣብ’ታ ስድራቤት ወሪዱ ዘሎ ጸገም ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ እወታዊ ውጽኢት ተሳኢንዎ ዘሎ ምሕደራ ስደት ምዃኑ ትሕብር።

እቲ ብ ‘ቊጽጽር-ዱብሊን’ ዝፍለጥ ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ  ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ምምማይ ሓተቲ ዑቕባ ዝከታተል ኤውሮጳዊ ሕጊ ኣብ ልዕሊ እቶም ቀዳማይ እግሮም ኣብ ዝረገጹዋ ኤውሮጳዊት ሃገር ኣሰር ኣጻብዕቶም ሂቦም ክንሶም ናብ ኻልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ከይዶም ዑቕባ ክሓቱ ዝፍትኑ ስደተኛታት ተሪር ማሕለኻ ኣንቢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

“ እቲ ሕጊ  ስደተኛታት ካብ’ታ ፈለማ ዝኣተዉዋ ሃገር ናብ ካልእ ከይዶም ዑቕባ ኸይሓቱ ቀይዱ ብምህላዉ ሓያሎ ሰባት ኣብ ሓደጋ ክወድቊ ንርእይ ኣሎና፡” ዝበለትወ/ሮ ክሌር፡ ኣብ ልዕሊ ጓሉ ን ኣቶ ኣሕመድ ዝኾነት ምርያም ወሪዱ ዘሎ ሃስያ ኣዝዩ ከምዘሰንበዳ ትሕብር።

TMP – 25/2/2019

ስእሊ: ህዋንግ ዘንግ ፡ www.shutterstock.com

Photo caption: ዘይወግዓዊ መዓስከር ስደተኛታት ካሌ።