ሓደጋታት ኮቪድ-19

ሓደገኛነት ኮቪድ-19 ንኹሉ ሰብ ማዕረ’ኳ እንተኾነ፥ ስደተኛታት  ነቲ ሕማም ሓለፋ ዝተቓልዑ እዮም። ካብ’ዚ ዛጊት ፈዉሲ ዘይተረኽቦ ሕማም ፡ ንነብስኹምን ካልኦትን ከተድሕኑሉ እትኽእሉ እንኮ ምርጫ – ምክልኻል (Prevention) እዩ።

ኣብ’ዚ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዓለማዊ ስግኣት ኾይኑ ዘሎ ግዜ ፡ ስደተኛታትን ሓተቲ-ዑቕባን እንተኾንኩም፡ እዚ ገጽ እዚ፡ ብዛዕባ ሓደጋታት ኮቪድ-19ን ፡ ብኸመይ ካብ መልከፍቱ ትድሕኑን ሓፈሻዊ ሓበሬታ ዝህብ ኪኸዉን እዩ።

ስደተኛታት ኣብ’ቲ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ዝኽተልዎ ዘይስሩዕ ጉዕዞ ስደት፡ ብኮቪድ-19 ክጥቅዑ ዝለዓለ ስግኣት ኣሎ። እቲ ጉዕዞ፡ ብዘይ እኹል ማይ፡ ጽሬትን ፡ እኹል ሕክምናን፡ ኣብ ጀላቡን ናይ ጽዕነት መኻይንን ተጸፋጺፍካ ዝካየድ ብምዃኑ፡ ንሓደጋታት መልከፍቲ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ዝተቓልዑ እዮም።

ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኽድስክሉ ዝጸንሑ ሰብኣዊ ስርሒታት ምድሓን ህይወት ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሰዓበ ቅልውላው ሓደጋ መሊሶም ጎዲሎም ይርከቡ። እዚ ማለት ሓያሎ ስደተኛታት ካብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ናብ ሊብያ ኽምለሱ ይግደዱ ኣለዉ። ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ብቐጻሊ ኣብ ዘውጹጽኦም ዘሎ መግለጺታት፡ ኣብ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ሕሱምን ዘይንጽሁን ኣተሓሕዛ ተጸፋጺፎም ተዳጒኖም ዝርከቡ ስደተኛታት ፡ ንመልከፍቲ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ልዕሊ ኻልኦት ዝተቓልዑ ኾይኖም ከምዘለዉ እዩ።

ኣብ ኤውሮጳ፡ ዝበዝሓ ሃገራት ዶባተን ዓጽየን ብምህላወን ፡ ሓያለ ስደተኛታት ኣብ መተሓላለፍቲ ሃገራት ተዓጊቶም ወይ’ውን ኣብ መዓስከራትን መጻንሒ ማእከላትን ተጸፋጺፎም ፡ ብዘይ እኹል ኣገልግሎት ጥዕና ተወሺቦም ይርከቡ። ሃገራት ኤውሮጳ ብሰንኪ’ዚ እዋናዊ ሕማም ፡ ሕክምናዊ ስርዓተን ተዳኺሙ ብምህላዉ፡ ስደተኛታት እኹል ኣገልግሎት ክረኽቡ ኣጸጋሚ እዩ። ብዘይካ’ዚ ንስደተኛታት ዝቐርብ ዝነበረ ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ብፍላይ ድማ መስርሕ ዑቕባ ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ተወንዚፉ ይርከብ።

ስደተኛታት ኣብ ስግረዶባዊ-ለበዳ እዚ ሕማም እዉን ሓደገኛ ተራ ይጻወቱ። በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት ምልክታት’ውን ከየርኣዩ ናብ ካልኦት ከመሓላልፉ ስለዝኽእሉ።

ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት ካብ ነኣሽቱ ክሳዕ ከቢድ ሕማም ዝኸይድ ምልክታት የርእዩ። እቶም ምልክታት ፡ በቲ ቫይረስ ድሕሪ ምልካፍካ ፡ ካብ 2 ክሳዕ 14 መዓልታት ኣብ ዘሎ ግዜ ክረኣዩ ይኽእሉ።

ልሙዳት ምልክታት’ቲ ሕማም፥

  • ሓድሽን ቀጻሊን ሰዓል
  • ብርቱዕ ረስኒ
  • ቀዝሒ ኣካላት
  • ቃንዛ ጭዋዳታት
  • ድርቀት ጎሮሮ
  • ምጒዳል ናይ ምሽታትን ምስትምቓርን ብቕዓት
  • ሕጽረት ወይ ጸገም ምስትንፋስ
  • ከም ቅልውላው፡ ተቕማጥን ተምላስን ድማ ብከፊል ዝረኣዩ ምልካታት እዮም።

ምልክታት ኮቪድ-19 ምስእተርእይ፡ እንተዉሓደ ን14 መዓልታት ነብሳ ኸተግልልን፡ ሓገዝ ሰብ ሞያ ጥዕና ኪትሓትትን ይግባእ።

ካብ ዘይተደልዩ መገሻታት ብምቚጣብ ፡ መልከፍቲን ዝርጋሐን እዚ ቫይረስ ኽትገትኡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ቫይረስ መሰረቱ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብዝጠለለ-ምስትንፋስ ዝመሓላለፍ ኮይኑ፡ እዚ ድማ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ኣብ ዝስዕለሉ፡ ዝህንጥሰሉን ዝዛረበሉን ኣጋጣሚታት ከምዝስዕብ እዩ ዝንገር። ናይ ዋትስ-ኣፕ መስመር ውድብ ጥዕና ዓለም  ብዛዕባ ምልክታትን ናይ መከላኸሊ ኣገባባትን ኮቪድ-19 ቀጻሊ ሓበሬታ ዝህብ ዘሎ’ዩ።

  • አእዳዉካ ብቐጻሊ ምሕጻብ።

    • አዳውና ፡ ብሳሙናን ማይን ጌርና እተውሓደ ን20 ካልኢታት ብተደጋጋሚ ኽንሕጸብ ይግባእ። ብፍላይ ድሕሪ ናብ ህዝባዊ ከባቢታት ምብጻሕና፡ ከምኡ’ውን ድሕሪ ምስዓልናን ምህንጣስናን ሻቡ ኽንሕጸብ ኣገዳሲ እዩ።
    • ሳሙናን ማይን ብቐረባ ኣብ ዘይትረኽብሉ እዉን፡ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ኣልኮላዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ናይ ኢድ መንጽሂ/ሳኒታይዘር ኽንጥቀም ንኽእል።
  • ካብ ቤትኩም ወጻኢ ምስ ዝነብሩ ሰባት ቅርበትን ምትንኻፍን ኣወግዱ።
    • ካብ ቤትኩም ወጻኢ ምስ ዝነብሩ ሰባት ቅርበትን ምትንኻፍን ከተወግዱ ይግባእ። ናብ ህዝባዊ ከባቢታት ኣብ እትበጽሑሉ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ናይ ሓደ (1) ሜትሮ ርሕቀት ክትሕልዉ ከምዝግባእ እዩ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ዝመክር።
  • ኽንስዕልን ክንህንጥስን ከሎና ኣፍናን ኣፍንጫናን ምሽፋን።
    • ክንህንጥስ ወይ ኽንስዕል እንከለና ፡ ኣፍናን ኣፍንጫንን ብናይ ወረቐት-መንዲል (ሶፍት) ወይ ድማ ቅልጽምና ዓጺፍና ኽንሽፍን ይግባእ።
    • ድሕሪኡ ነቲ ዝተጠቐምናሉ ሶፍት ናብ ውሑስ መጒሓፊ ደርቢና፡ ሻቡ ኢድና ኽንሕጸብ የድሊ።
  • ኣፍናን ኣፍናናን ንሸፍን።
    • ኣብ ህዝባዊ ከባቢታት ኣፍናን ኣፍንጫናን ብናይ ጨርቂ ማስከራ ኽንሽፍን የድሊ።
    • ናይ ገጽ ማስከራ ምሉእ ብምሉእ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ የድሕን ማለት ዘይኮነ፡ መልከፍቲ ናብ ካልኦት ኸይልሕም እዩ ዝከላኸል።

ከም ጻዕዳ-ሽጉርቲን ካልኦት ኣሕምልቲን ን ኮቪድ-19 ኽፍውሱ ይኽእሉ’ዮም ንዝብል መረዳእታ ዘረጋግጽ ሳይንሳዊ ውጽኢት ዛጊት የለን። ገለ ኣትክልቲ ርኡይ ጥዕናዊ ደገፍ ኽህልዎም ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ኮቪድ-19 ግና ዛጊት ፈዉሲ ኣይተረኽቦን ዘሎ። ነዚ ቫይረስ ክንከላኸለሎም ቀንዲ መንገዲታት፡ ካብ ዉድብ ጥዕና ዓለም ዝወሃቡና ጥዕናዊ ምኽርታት ብቐጻሊ ምስዓብ፡ ኢድና ብተደጋጋሚ ምሕጻብን፡ ኣብ ህዝባዊ ከባቢታት ርሕቐትና ምሕላዉን ጥራይ እዮ።

ቀቢላዊ ይዂን ዓሌታዊ ድሕረ-ባይታ ሰባት ምስ ተጻዋርነት እዚ ቫይረስ ዝኾነ ዝምድና የብሉን። ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ፡ ኣብ ገለ መዓስከራት ስደተኛታት ተርእዮታት ኮቪድ-19 ተመዝጊቡ ኣሎ። ብዉድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘነጽሮ፡ እቲ ሕማም ኣብ ቊጽጽር እንተዘይኣትዩ ፡ ህይወት ከባቢ 200,000 ኣፍሪቃዉያን ኽወስድ ከምዝኽእል እዩ።  ብመሰረት መጽናዕቲ ናይ’ቲ ውድብ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ናህሪ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ዘገምታዊ ኾይኑ ዝረኣየሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ፡ ዝበዝሐ ካብ ህዝበን መንእሰያትን ዘይከረሹን ስለዝኾኑ እዮም።

ኣካፍሉ

ክልተ ፈረንሳውያን ንስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ክሰግሩ ብምሕጋዝ ተኸሲሶም ተኣሲሮም

ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝሓገዙ ክልተ ፈረንሳውያን ንማእሰርቲ ተፈሪዶም። እቲ ቐዳማይ ዋና...
ዝያዳ ንምንባብ

ኣማኢት ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ መዕርፎ ነፈርቲ ፓሪስ ኣዲሞም

ኣማኢት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ መዕርፎ ርእሰኸተማ ፈረንሳ ተኣኪቦም ኣንጻር ምጥራዝ ካልኦት ዘይሕጋውያን...
ዝያዳ ንምንባብ

ሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ ንመትረብ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝፍትኑ ዝነበሩ ትሽዓተ ስደተኛታት ዓጊቱ

ብሰንበት 19 ግንቦት ሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ ንሓንቲ ትሽዓተ ስደተኛታት ሒዛ መትረብ እንግሊዝ ክትሰግር ትጕዓዝ ዝነበረት...
ዝያዳ ንምንባብ