ኣካላዊ ሓደጋታት
ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ዝብገሱ ስደተኛታት ብብዙሓት ኣሸገርቲ መንገዲታት እዮም ዝሓልፉ። ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ተሓቢኦም፡ ኣብ ነኣሽቱን ውሕስነት ዘይብለንን ጀላቡ ተጸፋጺፎምን ንዝተፈላለዩ ኣካላዊ ሓደጋታት ይቃልዑ። ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ኣብ ጉዕዞ ዘጓንፎም ዝኾነ ጸገም ከምዘየለን ውሑስ ምዃኑን’ዩ ብኣሰጋገርቲ ዝንገሮም። እቲ ሓቂ ግን እቶም ኣሰጋገርቲ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ጸገም ኣውዲቖም ንዝተፈላለየ ምዝመዛ’ዮም ዘውድቑ።
ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝብገሱ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ብልምዲ ዝጥቀምሉ መስመር ናብ ሊብያ ዘብጽእ ናይ ኣጻምእ መስምራት እዩ። ካብ ሊብያ ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ጥልያን የምርሑ። ኣብ’ቲ ብመሬት ዝካየድ ናይ ኣጻምእ ጉዕዞ ሓያሎ ኣብ መካይን ተጸፍጺፎም ብትኪ እተን መኻይን ትብፋስ ክሓጽሮም፡ መካይን ምስ ተሰብራኦም ኣብ መንገዲ ክድርበዩን ይረኣዩ።
ብዙሓት ስደተኛታት ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላው ኣብ’ታ ሃገር ክዕገቱ ይረኣዩ ኣለው። ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጥቃዕትታትን ራስያን ይካየድ ከምዘሎ እዉን ሓበሬታ ኣሎ። ክሳዕ ግንቦት 2019 ፓስፖርት ንዘለዎም ኤርትራውያን መንበሪ ፍቓድ ዛጊት ተኸሊእዎም እዩ ዘሎ። ኣብ መላእ ከባቢታት እታ ሃገር እዉን ሕጽረታት ማይ፡ መግብን ሕክምናዊ ቀረባትን ተኸሲቱ ከምዘሎ ይንገር።
ኣብ 2018 ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሓለዋ ዶባት ከቚማ ተሰማሚዐን። እቲ ሓባራዊ ሓይሊ ኣብ ምቅላስ ንግዲ ደቅ-ሰብን ግብረሽበራን ዝወፍር እዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ምሕደራ ጸጥታ ዶባት’ውን ሱዳን ምስ ጎረባብታ ዝኾና ሊብያ፡ ጫድን ኒጀርን ተመሳሳሊ ሓባራዊ ስጒምቲ የካውና ኣለዋ። እዚ ማለት ብመንገዲ ሱዳን ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ዝግበር ጉዕዞ ስደት ኣዚዩ ኣጸጋሚ እዩ ክኸውን።
እቶም ብመንገዲ ሱዳን ዝሰግሩ ስደተኛታት ኣብ’ታ ሃገር ቀጻሊ ግፍዕን ምዝመዛን ይበጽሖም። ስደተኛታት ብኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኣሰጋገርቲ ቀጻሊ መግረፍቲ ይወርዶምን ምስቶም ኣሰጋገርቲ ናይ ረብሓ ዝምድና ብዘለዎም ኣባላት ፖሊስ ድማ ጾታዊ ዓመጽ ይበጽሖም ምህላዉ ዘረድኡ ኣብነታት ኣለው።
ኣብ’ታ ብቚዕ ማእከላይ መንግስቲ ዘይብላ ሊብያ፡ ዝተፈላለያ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ምጭዋይ ስደተኛታትን ፡ ስደተኛታት ከም ጅሆ ሒዝካ ካብ ስድራቤቶም ገንዘብ ኣብ ምሕታትን ቀጻሊ ይዋፈራ።
ሓያሎ ስደተኛታት ኣቐዲሞም ነቲ ናይ ሳሃራ ከቢድ ጸገማት ሰጊርካ ኣብ ሊብያ ዝጽበዮም ሕሱም ህይወት ኣቃሊሎም ከምዝርእዩዎ፡ ደሓር ግና እቲ ዝኸፍአ ክፋል ናይ ጉዕዞኦም ምዃኑ ይምስክሩ። Seefar ንተመክሮ ናይ ስደተኛታት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ሊብያ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከምዘረድኦ፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብ’ቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣካላዊ ዓመጽ ከምዝበጽሖም’ዩ። ትካል Oxfam ኣብ ሊብያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ንተመክሮኦም ኣብ’ታ ሃገር ሓቲቱ ኣብ ዝሰነዶ ጸብጻብ ፡ ሰለሰተ ርብዒ ካብ’ቶ ተሓተቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተፈላለዩ መግረፍቲን ዓመጻትን ክወርድ ከምዝተዓዘቡ መስኪሮም።
ኣብ 2018 ልዕሊ 600,000 ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከምዝነብሩ፡ ልዕሊ 9,000 ድማ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ከምዝርከቡ ዘመልክት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት፡ ካልኦት ኣሽሓት ድማ ዕጡቓት ጁለታት ኣብ ዘመሓድሩወን ምስጢራውያን ማእከላት ተታሒዞም ምህላዎም የረድእ።
ኣብ’ዚ እዋን እዚ ሓይሎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ንነዊሕ እዋን ይርከቡ። ኣብ’ተን መዳጎኒ ማእከላት ድማ ካብ ኣባላት ሓለዋ፡ ሓለፍቲ እተን ማእከላት፡ ኣሰጋገርቲ፡ ከምኡ’ውን ሊብያውያን ውልቀሰባት ዝተፈላለዩ ግህሰታት ይበጽሖም።
ምድረበዳ ሳሃራ ኣዝዩ ሰፊሕ፡ ዝገዘፈ ክፋሉ ድማ ካብ ምሕደራ ወጻኢ ብምዃኑ ፡ ዝተፈላለያ ጉጅለ ገበነኛታት በቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝሓልፉ ስደተኛታት ናይ ጭውያን ራስያን ተግባራት ብዘይ ጸገም ከካይዳ ይረኣያ።
ነቲ ምድረበዳ ንምስጋር ዝካየድ ጉዕዞ ሰሙናት ክወስድ ይኽእል። እቲ ከባቢ ክብን ለጠቕን ዝበዝሖን ኣዝዩ ልዑል ዋዒ ዘለዎን ብምዃኑ ስደተኛታት ዘስግራ መካይን ቀጻሊ’የን ዝበላሽዋ። መኪና ኣብ ዝተበላሸወትሉ ወይ መራሒ መኪና ኣንፈት ኣብ ዝጠፍኦ እዋን ድማ ስደተኛታት ብ ጽምኢ፡ጥሜትን ከምኡ’ውን ወቕዒ ጸሓይ ህይወቶም ይስእኑ። ኣሰጋጋርቲ ልዑል ኣታዊ ንኽረኽቡ ነተን መካይን ልዕሊ ዓቕመን ብዝሒ ሰባት ኣብ ዝጽዕኑሉ እዋን እቲ ሓደጋ ዝበኣሰ ይኸውን።
ነቲ ምድረበዳ ዝሰግሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራዉያንን ስደተኛታት፡ ንጨቋኒ ኣተሓሕዛ ኣሰጋገርቲ ጥራይ ዘይኮኑ በቶም ኣሰጋገርቲ ንዝፍጸም ጭውያ’ውን ኩሉ ግዜ ምስተቓልዑ እዮም። ውሑዳት ዘይኮኑ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራዉያንን ስደተኛታት ተደጋጋሚ እዋን ብኣሰጋገርቶም መጭወይቲ ገጢምዎም ናይ መልቀቒ ገንዘብ ክኸፍሉ ተገዲዶም’ዮም።
ኣብ ናይ ሳሃራ ጉዕዞኦም፡ ስደተኛታት ሬሳታት ናይ ካልኦት ስደተኛታት ኣብ መንገዲ እንዳረኣዩ ከምዝሓልፉ ይዛረቡ። ኣብ’ቲ ናይ ኣጻምእ ቦታ ሬሳታት ኣማኢት ስደተኛታት ከምእተረኽበ እዉን ጸብጻባት ኣሎ። ኣብ ኣጻምእ ሳሃራ ናይ ዝጠፍእ ህይወት ስደተኛታት ቊጽሪ ካብ’ቲ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝዛይድ እውን ግምታት ኣሎ።
ካብ 2014 ጥራይ ከባቢ 16,850 ስደተኛታት ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ኣብ’ቲ ማያዊ ኣካል ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ወይ’ውን ደሃዮም ከምዝጠፍአ እዩ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ.ኦ.ኤም) ዘረድእ። ኣሰጋገርቲ ብዛዕባ ንውሓት ጉዕዞ ባህሪን ውሕስነት እተን ዝጥቀሙለን ጀላቡን ንስደተኛታት ኩሉ ግዜ ግጉይ ሓበሬታ ምስ ሃቡ’ዮም። መብዛሕትኡ እዋን ኣሰጋገርቲ ነተን ብቐሊሉ ኽጥሕላ ዝኽእላ ጀላቡ ልዕሊ ዓቕመን ብዝሒ ስደተኛታት ይጽዕንወን።
ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ እንዳሓያለ ይመጽእ ብምህላዉ እቶም ካብ ሊብያ ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝምድቡ ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ በተን ኣሃዱታት ሓለዋ ቀጻሊ ክተሓዙን ናብ ሊብያ ክምለሱን ይረአ ኣሎ። ካብ ጥሪ 2018 ክሳዕ ሚያዝያ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ ልዕሊ 16,000 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ክምለሱን ናብ መዳጎኒ ማእከላት እታ ሃገር ክጽንበሩን ተገይሩ።
ብዘይካ’ዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ስርሒታት ምድሓን ሂወት ዝነጥፋ ዝነበረ መራክብ ንጥፈታተን ደው ክብልን ካብ’ቲ ከባቢ ክርሕቃን ስለእተገብረ ህይወትን ድሕነትን እቶም ነቲ ማያዊ መስመር ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ።
ኣብ ናይ ኤውሮጳ ጉዕዞኦም ፡ ብፍላይ ኣብ ሊብያ፡ ስደተኛታት ብኣሰጋገርቶም ኹሉ ግዜ ምስ ተመዝመዙን ተጮኮኑን እዮም። ኣሰጋገርቲ ንስድተኛታት እቲ ናብ ኤውሮጳ ዘሎ ጉዕዞ ኣዝዩ ውሑስ፡ ሓጺርን ሓደጋ ዘይብሉን ምዃኑ፡ ናብ ኤውሮጳ ምስ ኣተዉ ድማ ሻቡ ዑቕባ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ እዮም ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝህቡ።
ኣሰጋገርቲ ነቶም ዘስግርዎም ስደተኛታት ናብ ካልኦት ጉጅለ ገበነኛታት ብዘይድሌቶም ክሸጥዎም፥ ጨውዮም ካብ ስድራቤቶም ናይ መልቀቒ ገንዘብ ክሓቱ፡ ወይ ድማ ከም ባራዩ ኽጥቀምሎም ምርኣይ ልሙድ እዩ። ምኽንያቱ፡ ሓደ ስደተኛ ሓንሳብ ንስድራቤቱን መቕርቡን ንድሕሪት ገዲፉ ናብ ስደት እንተተፈልዩ፡ ንዝተፈላለየ ምዝመዛታት ቅሉዕ ምዃኑ ኣጻቢቖም ስለዝፈልጡ።
ኣሰጋገርቲ ካብ ዝተወዓዓልዎ ክፍሊት ወጻኢ ንስደተኛታት ኣብ በበይኑ መድረኻት ጉዕዞ ተወሳኺ ገንዘብ ክኸፍሉ ይጠልቡ። ነዚ ጠለብ እዚ ከማልኡ ዘይከኣሉን ኣብ’ቲ ጉዕዞ ገንዘቦም ዝወድኡን ስደተኛታት ድማ ነቲ ዝሕተቶም ዘሎ ገንዘብ ንምዕዳይ ኣብ ትሕቲ እቶም ኣሰጋገርቲ ከም ባራዩ ይሰርሑ። ደቂ-ተባዕትዮ ከም ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ከም ባራዩ ስጋዊ ዕግበት የገልግላ ማለት’ዩ። ድሕሪ’ቲ ማዕከን ዜና ሲኤንኤን ኣብ 2017 ዘቃለዖ ቪድዮ፡ ኣብ ሊብያ ስደተኛታት ኣብ ቃልዕ ዕዳጋታት ከም ባረዩ ይሽየጡ ከምዘለው ዘቃልዑ ሓበሬታታት ብቐጻሊ ይወጽኡ ኣለው።