ፋይናንሳዊ ሓደጋታት
ሕጋዊ ቪዛ ከይሓዝኩም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ክንደይ ገንዘብ ከምዝሓትት ክትፈልጡ ኣብ ሓሳብ ዘለኹም ዲኹም፧ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምብጻሕ ዝካየድ ዘይስሩዕ ጉዕዞ ዝሕተት መጠን ገንዘብ ቀዋሚ ኣይኮነን። እቲ መጠን ክፍሊት ምስ ንውሓት እቲ ጉዕዞ፡ ዓይነትን ባህሪን ኣሰጋገርቲ ከምኡ’ውን ዓይነት መጓዓዝያ ይፈላለ።
ስደተኛታት፡ መብዛሕትኡ እዋን ናይ ስደት ጉዕዞ ክጅምሩ እንከለዉ ኣብ ሓሳቦም ዝቐርጽዎ መጠን ዋጋ ኣሎ። ምስቲ ኣብ ጉዕዞ ዝቀያየር ኩነታትን ዘጋጥም ጭውያን ጥዕናዊ ጸገማትን ግን እቲ ዋጋ ይተዓጻጸፍ እሞ እቶም ስደተኛታት ኣብ ክወጽእዎ ዘይክእሉ ዕዳ ይሽመሙ።
ብዘይስሩዕ መንገዲ ናይ ኤውሮጳ ክትስደድ ትሓስብ እንተሃሊኻ ፡ ኣብ ጉዕዞ ክህልዉ ብዛዕባ ዝኽእሉ ገንዘባዊ ወጻኢታት ፈሊጥካን እኹል ሓበሬታ ወኒንካን ንመጻኢ ዘተኣማምን ውሳኔ ክትውስን ኣገዳሲ እዩ።
ስደተኛታት ምስ ‘ዘ ማይግራንት ፕሮጀክት’ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-ምልልስ፡ ካብ ሃገራት ቀርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ጉዕዞ ክሳዕ 5,400 ዶላር ኣሜሪካ ከምዝሓትት ይዛረቡ። ብሓፈሻኡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ከባቢ 1,600 ዶላር፡ ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ 1,600 ፡ ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ድማ ክሳዕ 2,200 ዶላር ወጻኢታት ከምዘድሊ’ዮም እቶም ስደተኛታት ዝሕብሩ። ነዚ ኹሉ ከፊሎም’ውን እንተኾነ ናብ ኤውሮጳ ናይ ምብጻሕ ዕድሎም ርጉጽን ውሑስን ኣይኮነን። ናብ ኤውሮጳ ምስ ኣተው’ውን እንተኾነ ናብ መዳጎኒ ማእከላት ክውሰዱን ነዊሕ ከይጸንሑ ድማ ናብ ዓዶም ኽጥረዙን ተኽእሎታት ኣሎ።
ካብ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊርካ ናብ ኤውሮጳ ኽትበጽሕ ክሳዕ 3,000 ዶላር ኣሜሪካ ከምዝሓትት ሓደ ስደተኛ ን ‘ዘ ማይግራንት ፕሮጀክት’ ይሕብር። ንሱ ዝርካቡ ከፊሉ ክሳዕ ሊብያ ዝበጽሐ ፡ ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግር ዘኽእሎ ገንዘብ ስለዘይነበሮ ግን ናብ ሃገሩ ክምለስ ዝመረጸ ስደተኛ እዩ።
ዝበዝሑ ስደተኛታት ብዛዕባ እቲ ናብ ኤውሮጳ ኽበጽሑ ዘድልዮም መጠን ገንዘብ እኹል መረዳእታ የብሎምን። ኣሰጋገርቲ’ውን እቲ ጉዕዞ ውሑስን ትሑት መጠን ገንዘብ ዝሓትትን ከምዝኾነ፡ ኣብ መሰጋገርቲ ሃገራት ዝኾነ ስራሕ ክረኽቡ ስለዝኽእሉ ድማ ነቲ ናይ ጉዕዞ ክፍሊት ንምኽፋል ብዙሕ ጸገም ከምዘይህልዎም እዮም ነቶም ስደተኛታት ዝነግሩ። ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ግና ፍልይ ዝበለ ይጽንሕ።
ኣሰጋገርቲ ንሽግር ስደተኛታት እንዳመዝመዙ፡ ንመግቢ፡ ንመጽለሊ ፡ ከምኡ’ውን ንሰብ-ስልጣን ብላዕ ክንህብ ብዝብሉ ምስምሳት ኣብ ጉዕዞ ተወሳኺ ገንዘብ ቀጻሊ እዮም ዝሓቱ። ኣብ ገለ እዋናት’ውን ኣሰጋገርቲ ርብሕ ዝበለ ተወሳኺ ገንዘብ ንምርካብ ነቶም ዘስግርዎም ስደተኛታት ጅሆ ብምሓዝ ናይ መልቀቒ ገንዘብ ካብ ስድራቤቶም ይሓቱ።
ስደተኛታት ኣብ ነብሲ ወከፍ መድረኽ ጉዕዞ ንኣስገርቶም ክኸፍሉ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ማለት ሓደ ስደተኛ ኣብ ዘዝሓለፈን መሰጋገርቲ ሃገራት ገንዘብ ክኸፍል ይግደድ ። ብሰንኪ’ዚ ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ መንገዲ ገንዘብ ክውድኡን ግዳያት ዝተፈላለየ በደላት ክኾኑ ይረኣዩ።
ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ርጉጻት ከይኮኑ ኣቐዲሞም ገንዘብ ይኸፍሉ። ነቲ ገንዘብ ካብ ስድራቤቶም ተለቂሖም፡ ወይ ድማ መንበሪ ገዝኦምን ትካላቶምን ብምሻጥ ክኸፍልዎ ይፍትኑ።
ስደተኛታት ናብ ገማግም ማያት ኤውሮጳ ምስ በጽሑ፡ ንሸነኽ ሰሜን ዘለዋ ሃገራት ንምብጻሕ ሓድሽ ጉዕዞ ይጽበዮም። እቲ ጉዕዞ ልዑል ገንዘብ ዝሓትት እዩ። ሓደ ስደተኛ ን ‘ ዘ ማይግራንት ፕሮጀክት’ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ስደተኛታት ካብ ካሌ ናይ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ክበጽሑ ንኣሰጋገርቲ ክሳዕ 5,000 ዶላር ኣሜሪካ ይኸፍሉ።
ክብደት ናብራ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ፡ ምስ’ቲ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ዝፈልጥዎ መነባብሮ ክነጻጸር እንከሎ ግና ኣዝዩ ከቢድን ክባርን እዩ። ኣብ ሞንጎ’ቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኤውሮጳ ዝኣትው ስደተኛታት ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ስለዘሎ ድማ ሓያሎ ስደተኛታት ስራሕ ሰሪሖም ነብሶም ክናብዩን ነቲ ናብ ኤውሮጳ ኽመጽኡ ዘጥፍእዎ ልዑል መጠን ገንዘብ ክዓድዩን ኣይኽእሉን። መሰል ዑቕባ ዘውሓሱ ስደተኛታት ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ካብ መንግስቲ ክረኽቡ ዝኽእሉ’ኳ እንተኾኑ ፡ ብዝተፈላለየ ዘይንጹር ምኽንያታት ግን ዝበዝሑ ስደተኛታት ተጠቀምቲ ኣይኮኑን።
ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ ናይ ኤውሮጳ ዘጋጥሞም ልዑል ገንዘባዊ ወጻኢታት ክሽፍኑ ስለዘጸግሞም፡ ዋላ’ውን ካብ ሞንጎ ጉዕዞ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይግደዱ። ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ በበይኑ ኣጋታሚታት ብኣማኢት ዝቚጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ይተሓጋገዝ እዩ። ብዙሕ እዋን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ባሕሪ ከሳግሮም ዝኽእል ገንዘብ ስለዝስእኑ ኣብ’ታ ሃገር ይዕገቱ እሞ ሻቡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይመርጹ። ካብ ጥሪ 2017 ክሳዕ ግንቦት 2018 ፡ ኣህጉራውዊ ውድብ ስደተኛታት ብመንገዲ መስርሕ ወለንታዊ ምምላስ ልዕሊ 23,000 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ነናብ ሃገሮም መሊሱ’ዩ።
ስደተኛታት ኣዚዩ ልዑል መጠን ገንዘብ ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣጥፊኦም ክንሶም ብወለንታኦም ካብ ስደት ክምለሱ ይረአ ኣሎ። ንኣብነት ፡ ኣብ 2017 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራ ትዝኾኑ ልዕሊ 30,000 ስደተኛታት ብወለንታኦም ካብ ጀርመን ነናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ናይ’ዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ስደተኛታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝጸንሖም ህይወት እኹል መረዳእታ ከይሓዙ ናብ ስደት ስለዝምርሑ እዩ።
ስደተኛታት ካብ’ቲ ዘይዕውት ጉዕዞኦም ምስ ተመልሱ’ውን ኣብ ሃገሮም ዝተፈላለዩ ጸገማት እዩ ዘጋጥሞም። ገለ ንዘይከዉን ጉዳይ ገንዘበይን ግዜይን ኣጥፍኤ ኢሎም ሕፍረት ክስመዖም እንከሎ ፡ ገለ ድማ ብኣባላት ስድራቤቶምን ከባቢኦምን ከም ሰነፋት ወይ ድማ ዘይዕውታት ይውሰዱ። ብፍላት ነቶም ኣብ ስደት ነዊሕ ጸኒሖም ዝምለሱ እቲ ጸገም ዝኸበደ ይኸውን።