መርሓ ንኣገደስቲ ስያመታት ስደት

ሰባት ካብ ኢትዮጵያ መንበሪኦም ራሕሪሖም ናብ ስደት ዘምርሕዎም ሓያሎ ምኽንያታት ኣለው። ገሊኦም ዝሓሸ ቊጠባዊ ዕድል ንምንዳይ ፡ ገለ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ሓድሽ ሂወት ንምምስራት።

 ናብ ስደት ከተምርሕ ትሓስብ ዘለኻ ዲኻ፧ ወይስ ድሮ ተሰዲድካ ኣለኻ፧ ከምኡ እንተኾይኑ፡ መሰላትካ ኣብ ስደት ክትፈልጥን ሓበሬታ ሃሊዩካ ዝሓሸ ውሳኔ ክትውስንን ንስደትን ስደተኛታትን ዘመልክቱ ቐንዲ ቅጽላት ወይ ቋንቋታት  ክትርድኦም ኣገዳሲ እዩ ።

ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ.ኦ.ኤም)፡ ስደተኛ ዝበሃል ዝኾነ ንዝነበሮን ዝለመዶን ከባቢ ገዲፉ ንኣህጉራውያን ዶባት ዝሰግርን ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዝግዕዝን ሰብ እዩ። ነዚ ኣበሃህላ እዚ ዝውክል ሰብ  ፡ ብድሌቱ ይኹን ብዘይድሌቱ ፡  ካብ መንበሪኡ ኣርሒቚ እንከሎ ዝረኽቦ መሰልን ኣጸዋውዓን፡ ከምኡ’ውን ጠንቂ መስደዲኡ ብዘየገድስ ስደተኛ እዩ።

ዘይስሩዕ ስደተኛ ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ ብዘይዝኾነ ብቑዕ ሰነድ መጓዓዝያን ቪዛን ናብ ካልእ ሃገር ዝኣቱ ሰብ’ዩ። እቲ ስደተኛ ኣብ’ቲ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሱ ከጋጥሞ ካብ ዝኽእል ማእሰርቲን መጥረዝቲን ክኸላኸል ብሕጋዊ ነቚጣታት ዶብ ክኣቱ ኣይመርጽን።

ብኻልእ ወገን ሕጋዊ ስደተኛ፡ ምስ ምሉእን ብቑዕን ሰነዳት ጒዕዞ ቪዛ ፡ ናይ መንበሪ፡ ስራሕ ወይ’ውን ትምህርቲ ፍቓድ ናብ ካልእ ሃገር ዝኣቱ እዩ። እቲ ሰብ ምስ’ዚ ኹሉ ሰነዳቱ ብወግዓዊ ናይ መእተዊ ነቚጣ ሓንቲ ሃገር ሓሊፉ ብሰብ-መዚ ዶብ እታ ሃገር ብዘይጸገም ንኽኣቱ ምስ ዝፍቀዶ ሕጋዊ ስደተኛ ይበሃል።

ሓታቲ ዑቕባ ዝበሃል ፡ ሓደ ብሰንኪ ኣብ ሃገሩ ዝጎንፎ ሓደጋን በደልን ሃዲሙ ኣብ ካልእ ሃገር ኣህጉራዊ ውሕስነትን ዑቕባን ንኽረክብ ጠለብ ዘቕርብ እዩ።

ዝኾነ ሓታቲ ዑቕባ ብ ናይ 1951 ስምምዕ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕነቱ ዝተሓለወ እዩ። ብመሰረት እቲ ኣህጉራዊ ስምምዕ፡ ዝኾነ ሓታቲ ዑቕባ ወላ’ውን ብዘይስሩዕ ኣገባብ ናብ ካልእ ሃገር ይእቶ፡ ናይ ዑቕባ ጠለቡ ከቕርብን ጠለቡ ብሕጋዊ መንገዲን ቅጥዕን ሓሊፉ ውሳኔ ክሳዕ ዝወሃቦ ድማ ኣብ’ታ ዑቕባ ሓቲቱላ ዘሎ ሃገር ድሕነቱ ክወሓስን ይግባእ።

ሓተቲ ዑቕባ ሕቶኦም ዘይብቚዕ ኮይኑ ተረኺቡ ምስ ዝንጸግ ካብ’ታ ሃገር ክወጽኡ ይግደዱ’ዮም። ናብ ካልእ ሃገር ብዘይስሩዕ መንገዲ ዝኣተው ካልኦት ስደተኛታት እዉን ኣብ’ታ ሃገር ክጸንሑ ዘኽእሎም ፍቓድ ምስዝኽልኡ ተመሳሳሊ ዕጫ ይጽበዮም።

ዑቕበኛታት ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ንህይወቶም ዝፈታተን ኩነታት ኲናትን ጭቆናን ሃዲሞም ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ዝሓቱ ‘ሞ ጉዳዮም ቅቡል ኮይኑ ምስዝርከብ ናይ ዑቕበኛ ምሉእ መሰል ዝወሓሰሎም ስደተኛታት እዮም። ሓደ ስደተኛ ከም ዑቕበኛ ተቐባልነት ክረክብ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኣብ መበቆል ሃገሩ ብምኽንያት ዓሌቱ፡ ሃይማኖቶ፡ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ተኸታልነቱ ክወርዶ ዝኽእል ስግኣታት ከምዘሎ ከእምን ኣለዎ። ዑቕበኛታት ኣብ’ታ ዑቕባ ዘውሓሰትሎም ሃገር ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ውሕስነት ብሰላም ክነብሩ ይፍቀዶም።

ሓተቲ ዑቕባን ዑቕበኛታትን ካብ’ቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላውን ጭቆናን ዝሃድሙ ክኾኑ እንከለው፡ ናይ ቊጠባ ስደተኛታት ግና ናብርኦም ንምምሕያሽን ዝሓሸ ቊጠባዊ ዕድል ንምንዳይን ዝስደዱ እዮም። ናይ ቊጠባ ስደተኛታት ንዝበለጸ ናብራ ብድልየቶም ዝስደዱ ማለት’ዩም። እዞም ስደተኛታት ብዘይስሩዕ ኣገባብ ናብ ካልእ ሃገር ምስ ዝኣትዉ ሻቡ ተቐዪዶም ክጥረዙ ይኽእሉ። ብመሰረት ናይ 1951 ስምምዕ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ናይ ቊጠባ ስደተኛታት ናይ ዑቕባ ጠለብ ከቕርቡ ብቚዓት ኣይኮኑን።

ናይ ውሽጢ ተመዛበልቲ ዝበሃሉ ኣብ መንበሪ ከባቢኦም ብዝተኸስተ ጸጥታዊ ቅልውላው፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ከምኡ’ውን ባህርያዊ ሓደጋ ተደፊኦም ካብ ሃገሮም ከይወጽኡ ናብ ካልእ ከባቢ ዝፈናቐሉ ወገናት እዮም።

ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ወይ ቆልዑ ስደተኛታት ነቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ብዘይ ዝኾነ ናባዪ፡ ወላዲ ወይ’ውን ተዋሓሲ ናብ ስደት ዘምርሑ ስደተኛታት እዩም። ብመሰረት ስምምዕ መሰል ቆልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትሕቲ ዕድመ ዝበሃል ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሚኡ ሰብ’ዩ ።

ምሕደራ ዶባት ነቲ ኣብ ዶባት ዝረአ ብምኽንያት ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ምጥርናፍ ስድራቤት፡ ሕቶ ዑቕባ፡ ምብጻሕ ሃገርን ስድራቤትን፡ ከምኡ ድማ ወፍሪ ዝካየዱ ምንቅስቓስ ሰባት ንምቊጽጻር ዝስረሓሎም  ፖሊሲታት፡ ሕግታትን ስጒምትታን ሓንቲ ሃገር እዩ። ሰብ- መዚ ምሕደራ ዶባት ቀንዲ ስራሖም ንጽፈትን ሕጋውነትን እዞም ምንቅስቓስት ምክትታልን፡ ብዘይስሩዕ መንገዲ ናብ ሃገሮም ዝኣትዉ ሰባት ድማ ምልላይን ምግታእን እዩ።

ንግዲ ደቂ-ሰብ ነቲ ሰባት ንኹሉዓይነታዊ ምዝመዛታት ንምቅላዖም ካብ ሃገር ናብ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝካየድ ንጥፈታት ስደት እዩ። ሓደ ስደተኛ ብነጋዶ ደቅ-ሰብ ታታሊሉ፡ ተፈራሪሁ፡ ተጨውዩ፡ ተጮቊኑ፡ ተሓባቢሉ፡ ናይ ሓሶት መብጻዓ ተኣትዩሉ ምስ ዝስደድ ግዳይ ንግዲን ነጋዶን ደቅ-ሰብ ኮይኑ ንብል።

ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ግን ብሓገዝ ደላሎን ኣሰጋገርቲን ብባዕላዊ ምርጫ ስደተኛታትን ዝካየድ ጉዕዞ ስደት እዩ። ኣብ’ዚ ፡ ኣሰጋገርቲ ነቶም ስደተኛታት ብዘይ ስሩዕ ኣገባብ ናብ ዝደለዩዋ ሃገር ኣብ ምእታው ይተሓጋገዙዎም እምበር ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝኾነ ኣካላዊ በደልን ምዝመዛን ኣየውርዱን። ኮይኑ ግን ኣሰጋገርቲ ቀንዲ ገበነኛታት ዘይስሩዕ ጉዕዞ ስደት ምዃኖም ክፍለጥ ኣገዳሲ’ዩ።

መበቆል ዓዲ/ሃገር ሰባት ቅድሚ ናብ ስደት ምምራሖም ዝነብሩላን ቦታ መንነቶምን እያ።

መሰጋገርቲ ሃገራት እተን ስደተኛታት ኣብ ጉዕዝኦም ዝረግጹወን/ዝሓልፍወን፡ ናብ’ታ ክበጽሑዋ መዲቦሙዋ ዘለዉ ሃገር ክሳብ ዝኣትዉ ድማ ንሓጺር ግዜ ከም መጻንሒ ዝጥቀሙለን ሃገራት እየን። እቶም ስደተኛታት ኣብ’ተን ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙለን ሃገራት ካብ መዓልታት ክሳዕ ዓመታት ክጸንሑ ይክእሉ። ገለ’ውን ሓሳቦም ከይሰመረሎም ኣብ’ተን ሃገራት ክስርቱ ይግደዱ።

መዓልቦ ዝኾና ሃገራት ድማ እተን ስደተኛታት ካብ ምብጋሶም ክበጽሑወን ዝመደቡ ሃገራት እየን ። እንተኾነ ሓያሎ ስደተኛታት ናብ’ተን መዲቦም ዝብገሱለን ሃገራት ክበጽሑ ስለዝጽገሙ ኣብ ገለ ካብ’ተን ከም መሰጋገሪ ዝጸንሑለን ሃገራት ክቕመጡን ድሕሪ ምንዋሕ ግዜ ተስፋ ቆሪጾም ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱን ድማ ይረኣዩ።

ከም ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ሰብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሱ ናብ ጥልያን ክኣቱን ኣብ’ታ ሃገር ክነብርን እንተመዲቡ፡ ፈለማ ብመንገዲ ሱዳንን ሊብያን ክሓልፍ ኣለዎ ማለት’ዩ። ኣብ’ዚ፡ መበገሲት ወይ መበቆል ሃገር ኢትዮጵያ ክትከዉን እንከላ፡ ሱዳንን ሊብያን ከም መሰጋገርቲ፡ ጥልያን ድማ መዓልቦ ሃገር ትኸውን ኣላ ማለት’ዩ።

ተመላሲ ስደተኛ ዝበሃል ሓደ ካብ ስደት ናብ መበቆል ሃገሩ ዝምለስ ዘሎ ወገን እዩ።

ወለንታዊ ምምላስ ነቶም ብድልየቶም ካብ ስደት ናብ መበቆል ሃገሮም ተመሊሶም ህይወቶም ከጣይሱ ዝመርጹ ስደተኛታት ዘመልከተ እዩ። መስርሕ ምምላስ እቶም ወለንታውያን ብባዕላዊ ዓቕሚ ወይ ብሓገዝ መንግስታት ክሰላሰል ይኽእል።  ብሓገዝ መንግስታት ምስ ዝኸዉን፡ ተመላሶ ምምሕዳራዊ፡ ሰነዳዊ ፡ ዓይነታዉን ገንዘባውን ሓገዛት ክረኽቡ ይኽእሉ።

ግዱድ ምምላስ ስደተኛታት ብመንገዲ መጥረዝቲን መስጎግቲን ዝካየድ ፍርዳውን ምምሕዳራውን ስጒምቲ ኮይኑ፡ ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ መበቆል ሃገሮም ወይ ክትቅበሎም ፍቓደኛ ናብ ዝኾነት ሳልሰይቲ ሃገር ከምዝግዕዙ ይግበር።

ምምላስ ናብ ሃገር (Repatriation);  ሓደ ዑቕበኛ ፡ ምሩኽ ኲናት፡ ከምኡ’ውን ብገበን ዝተኣስረ ወገን ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ኩነታት ወይ ኣጋጣሚ ናብ መበቆል ሃገሩ ክምለስ ዘኽእሎ መሰል’ዩ። እዚ መስርሕ እዚ ንኻልኦት ስደተኛታትን ኣህጉራውያን ሰብ-ስልጣንን ኣህጉራዊ ይዂን ዞባዊ  ጸጥታዊ ቅልውላው ኣብ ዝኽሰተሉ ናብ ትውልዲ ሃገሮም ምምላስ እዉን የካትት።

ዳግመ-ምስፋር ወይ ዳግመ-ጥየሳ (resettlement) ድማ ኣብ ሓደጋ ንዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ውሑስን ንዝነውሐ እዋን ብሰላም ክነብሩሉን ዝኽእሉ ሃገር ምግዓዝ ወይ ቦታ ምቕያር ማለት ይኸውን። እታ ዝሰፍሩላ ሃገር ነቶም ስደተኛታት ንነዊሕ ዝኸይድ ናይ ነባርነት መሰል ተውሕሰሎም።

ኣካፍሉ

ክልተ ፈረንሳውያን ንስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ክሰግሩ ብምሕጋዝ ተኸሲሶም ተኣሲሮም

ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝሓገዙ ክልተ ፈረንሳውያን ንማእሰርቲ ተፈሪዶም። እቲ ቐዳማይ ዋና...
ዝያዳ ንምንባብ

ኣማኢት ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ መዕርፎ ነፈርቲ ፓሪስ ኣዲሞም

ኣማኢት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ መዕርፎ ርእሰኸተማ ፈረንሳ ተኣኪቦም ኣንጻር ምጥራዝ ካልኦት ዘይሕጋውያን...
ዝያዳ ንምንባብ

ሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ ንመትረብ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝፍትኑ ዝነበሩ ትሽዓተ ስደተኛታት ዓጊቱ

ብሰንበት 19 ግንቦት ሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ ንሓንቲ ትሽዓተ ስደተኛታት ሒዛ መትረብ እንግሊዝ ክትሰግር ትጕዓዝ ዝነበረት...
ዝያዳ ንምንባብ