ህይወት ኣብ ኤውሮጳ ከም ስደተኛ

ሓይሎ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ቀርኒ-ኣፍሪቃ ኣብ ኤውሮጳ ዝሓሸ ናብራን መጻኢን ከካውኑ ብምሕሳብ’ዮም ዝበጽሑ። ዝበዝሑ ካብኣቶም ግና ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝጽበዮም መስገደላት እኹል ኣፍልጦ ይውሕዶም።

ብዘይስሩ መንገዲ ዝኣተኻ ስደተኛ ወይ’ውን ሓታቲ ዑቕባ ዄንካ ኣብ ኤውሮጳ ብዛዕባ ዝህልወካ ህይወት ንምፍላጥ ነዚ ዝስዕብ ኣንብብ።

ሓታቲ ዑቕባ ዝበሃል ፡ ኣብ ሃገሩ ካብ ዝጎነፎ ሓደጋን በደልን ሃዲሙ ኣብ ካልእ ሃገር ኣህጉራዊ ውሕስነትን ምሉእ መሰል ስደተኛን ንኽረክብ ጠለብ ዘቕርብ ሰብ’ዩ። ብዛዕባ ሓተቲ ዑቕባን ካልኦት ኣገደስቲ ስያመታት ስደትን ፍለጥ።

መስርሕ ዑቕባ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ። እንተኾነ ሕጊ ዑቕባ ኤውሮጳዊ ሕብረት መሰል ሓተቲ ዑቕባ ክኽበር ኣለዎ እዩ ዝብል። እዚ ማለት ዝኾነ ሓታቲ ዑቕባ ጉዳዩ ምዕሩይ መስርሕ ክሓልፍን ክሳዕ ዋሳኔ ዝወሃቦ ድማ ግዝያዊ መጽለሊን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ክወሓሰሉ የገድድ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እዉን ሓተቲ ዑቕባ ውሑድ ዝኾነ ናይ ጁባ ገንዘብ ይግበረሎም’ዩ።

ሓደ ኢትዮጵያዊ ሓታቲ ዑቕባ ሕቶኡ ቕቡል ክኸውንን ዘይክኸውንን ካብን ናብን እተን ጠለብ ዑቕባ ዘቕርበለን ዘሎ ሃገራት ክፈላለ ይኽእል። ብዘይ’ካ እዚ፡ መስደዲ ምኽንያት እቲ ስደተኛ ርጉጽ ክኸውን ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ኣብ ፈረንሳ ኣብ 2017 ሕቶ ዑቕባ ካብ ዘቕረቡ 600 ኢትዮጵያውያን ዳርጋ ፍርቂ እወታዊ ምላሽ ክረኽቡ ከለዉ፡ ኣብ ቤልጁም ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ነቲ ጠለብ ካብ ዘቕረቡ 85 ኢትዮጵያውያን ግና ናይ 20 ጥራይ እዩ ተቐባልነት ረኺቡ።

ብመሰረት ሕጊ ዱብሊን ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሓደ ሓታቲ ዑቕባ ስደተኛ ሓላፍነት ናይ’ታ ፈለማ ዝረገጻ ኤውሮጳዊት ሃገር ከምዝኾነ እዩ። እዚ ማለት ሓደ ስደተኛ ካብ’ታ ፈለማ ኣትዩ ዑቕባ ዝሓተተላ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ምስ ዝበጽሕ ሻቡ ናብ’ታ ፈለማ ዑቕባ ዝሓተተላ ሃገር ከምዝምለስ ይግበር። እቲ ሕጊ፡ ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ኣብ ዝመረጽዋ ኤውሮጳዊት ሃገር ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ክረአ ዘፍቅድ ኣይኮነን። ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝመረጽዎ ከባቢ ወይ ከተማ ናይ’ታ ዑቕባ ሓቲቶሙላ ዘለዉ ሃገር ክነብሩ’ውን እቲ ሕጊ ኣየፍቅድን።

መስርሕ ዑቕባ ነዊሕ ግዜ ኽወስድ ይክእል’ዩ። ዝበዝሓ ሃገራት ነቲ መስርሕ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኽውድእኦም ዝሓስባ’ኳ እንተኾና ፡ ብመጠን ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ እቲ ናይ መስርሕ ግዜ ክምጠጥ ይረአ።

መስርሕ ዑቕባ ዝተሓላለኸ ጉዳይ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ሕቶ ዑቕባ ናይ ገለ ተቐባልነት ክረክብ እንከሎ ናይ ብዙሓት ካልኦት ድማ ይንጸግ። ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ምስ ዝንጸግ ካብ’ታ ዘለኻያ ሃገር ኣብ ሓጺር እዋን ኽትወጽእ’ዩ ዝንገረካ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት’ውን እቶም ሕቶኦም ተቐባልነት ዘይረኸበ ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒን መጻንሒን ማእከላት ከምዝቕየዱ ጌርካ ነናብ ሃገሮም ንምምላስ ይስራሕ’ዩ። ናይ ዑቕባ ሕቶኡ ዝተነጽገ ስደተኛት ናይ ይግባይ መሰል ኣለዎ። እቶም ሕቶኦም ድሕሪ ይግባይ ተቐባልነት ዝረክብ ስደተኛታት ናይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎም ጉዳዮም ክሳዕ ብደቂቕ ዝረጋገጽ ንውሱናት ሰዓታት ኽሰርሑ ይፍቀዶም።

ናይ ቊጠባ ስደተኛታት ናብርኦም ንምምሕያሽን ዝሓሸ ቊጠባዊ ዕድል ንምንዳይን ዝስደዱ እዮም። ናይ ቊጠባ ስደተኛታት ንዝበለጸ ናብራ ብድልየቶም ዝስደዱ ብምዃኖም ናይ ዑቕባ ሕቶ ከቕርቡ መሰል የብሎምን። ናብ ኤውሮጳ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝኣተዉ እንተኾይኖም’ውን ሻቡ ማእሰርቲን መጥረዝቲን የጓንፎም። ዝበዝሑ ናይ ቊጠባ ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ልዑል ገንዘባዊ ኣታዊ ከምዘሎ ኣሚኖም’ዮም ዝመጽኡ፡ ብቐሊሉ ስራሕ ክረኽቡ ስለዘይክእሉ ግና ኣብ ዕዳ ይኣትውን፡ ኣብ ዓዲ ዝገደፍዎም ስድራ ክናብዩ ይጽገሙን።

ገለ ስደተኛታት ኣብ ምርካብ ስራሕ ክዕወቱ እንከለው፡ ዝበዝሑ ግን ኣይሰልጦምን እዩ።

ሕጊ ዕዮ ሃገራት ኤውሮጳ ኣዚዩ ተሪር እዩ። ሰራሕተኛታት ስራሕ ክቚጸሩ እንተኾይኖን ናይ ግድን ሕጋዊ ፓስፖርት፡ ወረቐት መንነት፡ ናይ ትምህርቲ ሰነዳት፡ ከምኡ’ውን ክትሰርሕ ከምዝፍቀደካ ዘመስክር ወረቐት ከቕርቡ ይግደዱ። ኣስራሕቲ ነዚ ዘየማልኡ ሰራሕተኛታት ክቖጽሩ ገበን እዩ። ብዘይካ’ዚ ትካላት ዘይሕጋውያን ሰራሕተኛታት ቆጺረን ከይህልዋ ዝከታተላ ናይ ቊጽጽር ኣሃዱታት ኣለዋ።

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ልዑል እዩ። እቲ መጠን ብፍላይ ኣብ’ቶም ትሑት ተሞክሮን ደረጃ ትምህርትን ዘለዎም መንእሰያት እተን ሃገራት ኣዝዩ ይዛይድ። ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ዝጸንሖም ዓይነትን ባህሪን ስራሕ ካብ’ቲ ናይ ዓዶም ዝተፈልየ ስለዝኾነ ኣብ ዝርካቡ ስራሕ ተወዳደርቲ ክኾኑ ይጽገሙ። ብኣስራሕቲ ዝጥለቡ ደረጃን ብቕዓትን ስለዘየማልኡን እኹል ሰነዳት ፍቓድ ስራሕ ስለዝውሕዶምን ድማ ዕድሎም ኣዚዩ ይጸብብ። ናይ’ታ ዝነብሩላ ዘለዉ ኤውሮጳዊት ሃገራ ቋንቃ ከንብቡን ክጽሕፉን እዉን ኣለዎም።

ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ዝረኽብዎ ደሞዝ ካብ’ቲ ናይ ዓዶም ዝለዓለ’ኳ እንተኾነ ፡ ብመንጽሩ ዋጋ መነባብሮ ኣብ ኤውሮጳ ኣዚዩ ክባር እዩ። ኣብ ኤውሮጳ ን መንበሪ፡ መጓዓዝያን መግብን እትገብሮ ወጻኢታት ኣዚዩ ልዑል እዩ። ንኣብነት ኣብ 2018 ኣብ ብሪጣንያ ሓንቲ ስድራቤት ሰሙናዊ 730 ዶላር ናይ ናብራ ወጻኢታት ትገብር ነይራ።ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ሓደጋታት ናይ ዘይስሩዕ ጉዕዞ ስደት ፍለጥ።

ብመሰረት ሕጊ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሓተቲ ዑቕባ ክሳዕ ጉዳዮም ምላሽ ዝረክብ መጽለሊ ክረኽቡ መሰሎም’ዩ። እቲ ዝወሃቦም መጽለሊ ካብ ተወሳኺ ወጻኢታት ዘናግፎም’ኳ እንተኾነ፡ ካልእ ጸገም ግና ኣለዎም። እቶም ስደተኛታት ዝነብሩሉ ከባቢ ባዕሎም ዝመርጽዎ ኣይኮነን፡ መብዛሕትኡ እዋን እውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክግዕዙ እዩ ዝግበር። ገለ’ውን ኣብ ርሑቕ ዓድታትን ብዙሕ ነባሪ ዘይብለን ቊሸታትን ከነብሩ ስለዝግበር ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ጽምዋን ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ይወድቊ። ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ተቐባልነት እንተረኺቡ’ውን ካብ’ቲ ብጥርሑ ክነብሩሉ ዝጸንሑ መንበሪ ክወጽኡን ናብራኦም ባዕሎም ክኣልዩን ስለዝግበር እቲ ሽግር መሊሱ ይኸብድ።

ሕቶ ዑቕባ ዘየቕረቡ ስደተኛታት ዝኾነ ዝረኽብዎ መጽለሊ ይዂን ካልኦት ማሕበራዊ ቀረባት የለን። ስለዝኾነ ብዘይዝኾነ ኣታውን ሓገዝን ናብራኦም ባዕሎም እዮም ክመርሑ። ገለ’ውን ብናቶም ወጻኢታት ገዛ ተኻርዮም ኣብ ምዝመዛ ናይ ኣካረይቶምን ይወድቊ።

ብዘይስሩዕ መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ ብዝገጥምዎም ሓደጋታት ዝተፈላለዩ ናይ ኣካላን ኣእምሮን ጥዕናዊ ጸገማት እዩ ዝጸንሖም። ስለዝኾነ ሕክምናዉን ምኽራውን ሓገዛት የድልዮም።

ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሓተቲ ዑቕባን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣገልግሎታት ጥዕና ከም ድላዮም ክረኽቡ ይጽገሙ። ብፍላይ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ እዋን ኣካላዊ ሓደጋን ንህይወት ዝፈታተን ጥዕናዊ ጉዳይን እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ሕክምና ወጻኢታት ባዕሎም ክሽፍንዎ እዮም ዝሕተቱ። ኣብ ኤውሮጳ ናይ ሕክምና ወጻኢታት ኣዚዩ ክባር እዩ።

ኣብ ኤውሮጳ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ብነጻ ኣይኮነን። ልዑል ብቕዓትን ተወዳዳርነትን ዘለዎም ስደተኛታት ግና ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድላት ክረኽቡ ይኽእሉ’ዮም። ኣብ ኤውሮጳ ክፉት ዕድላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ብዘይምህላዉ ሓያሎ ስደተኛታት እኹል ብዕዓትን ደረጃ ትምህቲ ወኒኖም ልዑል ደሞዝ ክረኽቡሎም ናብ ዝኽእሉ ስራሓት ክጽንበሩ ኣይክእሉን። ስለዝኾነ ፡ ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ጸገም መነባብሮ ይወድቊ። ብዛዕባ ውሑስን ሕጋውን ኣማራጺታት ፍለጥ።

ኣብ ሃገሮም ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሑ ስደተኛታት ካብ’ተን ዝተመሃሩለን ትካላት ሃገሮም ወግዓዊ ሰነድ ትምህርቶም ናብ’ተን ዘመልክቱለን ዘለዉ ኣብያተ ትምህርቲ ወይ ትካላት ስራሕ ናይ ኤውሮጳ ክለኣኽ ኣለዎ። ገለ ኣስራሕቲ ነቲ ሰነዳት ፍጹም ኣፍልጦ ዝህብዎ ኣይኮኑን። ገለ ስደተኛታት እዉን ንሰነዳት ትምህርቶም ኣብ ኤውሮጳ ወግዓዊ ኽገብሩን ኸቶርጉሙን ብዙሕ ገንዘብ ይሕተቱ።

ስደተኛታት ምስ’ቲ ዘይፈልጥዎ ኤውሮጳዊ ማሕበረሰብ ክወሃሃዱ ከቢድ ሽግር እዩ ዝኾኖም። ገለ ሻቡ ክጽንበሩን ክወሃሃዱን ኸለው፡ ገለ ድማ ብሰንኪ ቋንቋን ዝተፈልየ ልምድታታን ኣብ ሓጺር እዋን ክወሃሃዱ ይሽገሩ። ካልኦት’ውን ካብ ገለ ኤውሮጳውን ብዝበጽሖም ዓሌታዊ ኣጠማምታ ስለዝሹቕሮሩ ምንጻል ይመርጹ ። ሓያሎ ስድራቤታት ስደተኛታት እውን ኣብ ሞንጎ ክልተ ባህልታት ተቐርቂረን ናይ ክብርታትን ልምድታትን ቅልውላው ይገጥመን።.

ገለ ሓተቲ ዑቕባ ጉዳዮም ተቐባልነት ምስ ረኸበን ፍቓድ ነባርነት ምስ ኣውሓሱን ኣባላት ስድራቤቶም ክጥርንፉ ይሓቱ። እቲ ጠለብ ኣብ ገሊኡ ሻቡ ክሰልጥ እንከሎ፡ ኣብ ገለ ድማ ኣዚዩ ነዊሕ ግዜ ይወስድ። ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራቤት ተወሳኺ ሓበሬታ ፍለጥ።

ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኤውሮጳ እንዳኣተዉ እሞ’ድማ ዑቕባ ክሓቱ ዘይበቕዑ ብኣባላት ጸጥታ ዝተሓዙ ስደተኛታት ተኣሲሮም ሻቡ ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ ተኽእሎ ኣሎ።

ስደተኛታት ካብ’ቲ ዘይዕውት ጉዕዞኦም ምስ ተመልሱ ኣብ ሃገሮም ዝተፈላለዩ ጸገማት እዩ ዘጋጥሞም። ገለ ንዘይከዉን ጉዳይ ገንዘበይን ግዜይን ኣጥፍኤ ኢሎም ሕፍረት ክስመዖም እንከሎ ፡ ገለ ድማ ብኣባላት ስድራቤቶምን ከባቢኦምን ከም ሰነፋት ወይ ድማ ዘይዕውታት ይውሰዱ። ብፍላት ነቶም ኣብ ስደት ነዊሕ ጸኒሖም ዝምለሱ እቲ ጸገም ዝኸበደ ይኸውን።

ኣብ ፈረንሳ ዝነብሩ ስደተኛታት

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ዘይሕጋዊ ስደተኛ ዄንካ’ዶ ትነብር ኣለኻ፧...
ዝያዳ ንምንባብ

ህይወት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ክትስደድ ትሓስብ ትህሉ። ዓባይ ብሪጣንያ...
ዝያዳ ንምንባብ
ኣካፍሉ